Exodus (1/40)  

1. እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ።
2. ሮቤል፡ ስምኦን ሌውን ይሁዳን፡
3. ይሳኮር ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡
4. ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን።
5. ካብ ሕቖ ያእቆብ ዝወጹ ኹላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነብሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ።
6. ዮሴፍን ኩሎም ኣሕዋቱን እቲ ወለዶ ኹሉ ኸኣ ሞቱ።
7. ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰቡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት።
8. ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ።
9. ንሱ ድማ ንህዝቡ እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡
10. እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ ውግእ ምስ ዝለዐለና ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ ንዑ ንጣበብሎም በሎም።
11. ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብበሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸሙሎም። ንፈርኦን ድማ ጴቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ።
12. ብመጠን እቲ ዘጽበብሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ።
13. ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዐየይዎም።
14. ንህይወትም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ በባዕጥን ብጡብን ብኹሉ ዕዮ መሮርን በቲ ኹሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።
15. ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ ኣታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጲዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡
16. ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኻን፡ ኣብቲ ዘሓርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ኾነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ኾይና ግን ብህይወት ትንበር።
17. እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈርሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገብራን።
18. ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እተሓድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገብርክን በለን።
19. እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሓሪሰን ይጸንሓ በለኣኦ።
20. ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገብረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዩ ኸኣ በርትዔ።
21. ኮነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገብረለን።
22. ሽዑ ፈርኦን ንኹሉ ህዝቡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኩለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ሕደግወን ኢሉ ኣዘዘ።

      Exodus (1/40)