Exodus (1/40) → |
1. | እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ። |
2. | ሮቤል፡ ስምኦን ሌውን ይሁዳን፡ |
3. | ይሳኮር ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡ |
4. | ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን። |
5. | ካብ ሕቖ ያእቆብ ዝወጹ ኹላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነብሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ። |
6. | ዮሴፍን ኩሎም ኣሕዋቱን እቲ ወለዶ ኹሉ ኸኣ ሞቱ። |
7. | ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰቡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት። |
8. | ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ። |
9. | ንሱ ድማ ንህዝቡ እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡ |
10. | እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ ውግእ ምስ ዝለዐለና ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ ንዑ ንጣበብሎም በሎም። |
11. | ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብበሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸሙሎም። ንፈርኦን ድማ ጴቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ። |
12. | ብመጠን እቲ ዘጽበብሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ። |
13. | ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዐየይዎም። |
14. | ንህይወትም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ በባዕጥን ብጡብን ብኹሉ ዕዮ መሮርን በቲ ኹሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም። |
15. | ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ ኣታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጲዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ |
16. | ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኻን፡ ኣብቲ ዘሓርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ኾነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ኾይና ግን ብህይወት ትንበር። |
17. | እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈርሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገብራን። |
18. | ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እተሓድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገብርክን በለን። |
19. | እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሓሪሰን ይጸንሓ በለኣኦ። |
20. | ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገብረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዩ ኸኣ በርትዔ። |
21. | ኮነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገብረለን። |
22. | ሽዑ ፈርኦን ንኹሉ ህዝቡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኩለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ሕደግወን ኢሉ ኣዘዘ። |
Exodus (1/40) → |