Esther (9/10)  

1. ካብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ኣዳር፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ፡ እቲ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዚፍጸመሉ መዓልቲ፡ እቶም ጸላእቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊኦም ኪስልጥኑ ተስፋ ዚገብሩላ ዝነበሩ መዓልቲ፡ ብእኣ እቶም ኣይሁድ ደአ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ኪስልጥኑ፡ እቲ ነገር ተለወጠ።
2. እቶም ኣይሁድ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብቶም ክፉእ ኪገብርዎም ዚደልዩ ዝነበሩ ኢዶም ክዝርግሑ፡ ናብ ከተማታቶም ተአከቡ፡ ፍርሃቶም ከአ ኣብ ኩሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሰብ ናብ ቅድሚኦም ደው ኪብል ኣይከአለን።
3. ፍርሃት ማርዶካይ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ኩሎም ሹማምቲ እተን ሀገራትን መኳንንትን ራእስታትን ኩላቶም ዕዮ ንጉስ ዚዐዩን ንኣይሁድ ሐገዙ።
4. ማርዶካይ ኣብ ቤት ንጉስ ዓብዩ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ኩለን ሃገራት ወጸ። እዚ ሰብ እዚ ማርዶካይ እዚ እናዐበየ ኸደ።
5. ኣይሁድ ንኹላቶም ጸላእቶም ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ቀተልዎም፡ ኣጥፍእዎምውን። ንኹላቶም ጸላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም።
6. ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እቶም ኣይሁድ ንሓሙሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቲሎም ኣጥፍእዎም።
7. ጳርሻን ዳታን ደልፎንን ኣስጳታን፡
8. ጳራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን፡
9. ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን፡
10. ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ ጸላእ ኣይሁድ ቀተልዎም፡ ኣብቲ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ቑጽሪ እቶም ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እተቐትሉ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ።
12. ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴ፡ ኣይሁድሲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ሐረድዎምን ኣጥፍእዎምን፡ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ንጉስ ደአ ኸምይ ገይሮም ይኹኑ፡ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፡ ኺወሀበኪ እዩ፡ እንታይከ እዩ ድላይኪ፡ ኪኾነልኪ እዩ፡ በላ።
13. ሽዑ ኣስቴር፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ነቶም ኣብ ሱሳን ዘለው ኣይሁድ፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ትእዛዝ ኪገብሩ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ኣብ ጉንዲ ኺስቀሉ፡ ፍቓድ ይወሀብ፡ በለት።
14. ንጉስ ከአ፡ ከምኡ ይገበር በለ። እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ሱሳን ተዋህበ እሞ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ።
15. እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ተአከቡ፡ ኣብ ሱሳን ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተሉ፡ ኣብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
16. እቶም ኣብተን ሃገራት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ተአኪቦም ንህይወቶም ተኸላኸሉላ እሞ፡ ካብ ጸላእቶም ዕረፍቲ ረኸቡ። ካብቶም ዚጸልእዎም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ። ኣእዳዎም ግና ኣብ ምርኮ ኣይዘርግሑን።
17. እዚ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ ግና ዐረፉ፡ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ከአ ገበርዋ።
18. እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ብመበል ዓሰርትው ሰለስተን ዓሰርተው ኣርባዕተን መዓልቲ ተአከቡ። ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸአ ዐረፉ። ንእኣ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ገበርዋ።
19. ስለዚ እቶም ኣብ ዓድታትን ኣብ ዘይትዐርዳ ኸተማታትን ዚነብሩ ኣይሁድ ብወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ሓጎስን መስተን ጽብቕቲ መዓልቲ የብዕሉ፡ ንሓድሕዶም ከአ ህያብ ይለኣአኹ ኣለው።
20. ማርዶካይ ድማ ነዚ ነገር እዚ ጽሒፉ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለው ኹላቶም ኣይሁድ ደብዳቤታት ሰደደ።
21. ኣብ ወርሒ ኣዳር፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትን ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ዐዐመት ኬብዕልወን ኣዘዞም።
22. እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዐረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጎስ፡ ሐዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጎስን ኪገብርወን፡ ንሓድሕሶም ከአ ህያባት ኪላኣአኹ፡ ንድኻታት ድማ ምጽዋት ኪምጽውቱ ሐገገሎም።
23. እቶም ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሐፈሎምን ኪገብርዎ ተቐበልዎ።
24. ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ፡ ጸላእ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ኢለ ተተናኸሎሎም፡ ኪድምሶሶን ኬጥፍኦምን ከአጱር ማለት ዕጭ ኣውደቐሎም።
25. እዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ብደብዳበ ገይሩ እቲ ሃማን ንኣይሁድ እተተናኸሎሎም ሕሱም ተንኮል ኣብ ርእሱ ይመለስ፡ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጉንዲ ይሰቐሉ፡ ኢሉ አዘዘ።
26. ስለዚ እዘን መዓልትታት እዚኤን፡ ከምቲ ስም ጵር ጵኡሪም ኢሎም ሰመይወን። እምበርኣርሲ ኸምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ እተጻሕፈ ኹሉ ቓላትን፡ ከምቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዝረአይዎን፡ ከምቲ ዝረኸቦም ኩሉን፡
27. እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንኹሉ ናባታቶም እተጸግዔን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኤን፡ ከምቲ ተጽሒፉ ዘሎ፡ በብእዋኑ በብዓመቱን ከየዝበሉ ኼብዕሉ ተቐቢሎም ኣጽንዕዎ።
28. እዘን መዓልትታት እዚኤን ኣብ ኩሉ ወለዶታት ኣብ በብዓሌቱን ኣብ ሀሃገርን ኣብ ከከተማኡን ኪዝከራን ኪባዐላን፡ እዘን መዓልትታት ጵሪም እዚኤን ኣብ ማእከል ኣይሁድ ምብዓለን ኣይኪተርፍን ዝኸረን ድማ ካብ ዘርኦም ከቶ ኣይኪጠፍእን እዩ።
29. ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እታ ብዛዕባ ጲሪም እተዛረብ፡ ካልአይቲ ደብዳበ ብምሉእ ሓይሎም ኬጽንዕዋ ኢሎም ጸሐፉ።
30. ነተን ደብዳቤተትን ናብ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ፡ ብዘረባ ሰላምን እምነት ገይሩ፡ ዝለአኸንሲ፡
31. እዘን መዓልትታት ጲሪም፡ ከምቲ ማርዶካይ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ዝሐገግዎ፡ ኣብቲ እተመደበለን ጊዜ ኽጸንዓ፡ ከምቲ ንርእሶምን ንዘርኦምን ብናይ ጾምን ምህልላን ዝሰርዕዎ ኸአ ኺጸንዕ ኢሉ እዪ።
32. በዚ ኸምዚ ትእዛዝ ኣስቴር ነዚ ናይ ጵሪም ነገር ኣጽንዖ። እዚ ኸአ ኣብ መጽሓፍ ተጻሕፈ።

  Esther (9/10)