Esther (8/10)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቤት ሃማን እቲ ጸላእ ኣይሁድ ንንግስቲ ኣስቴር ሀባ። ኣስቴር ንሱ ንእኣ እንታይ ምዃኑ ነገረቶ እሞ፡ ማርዶካይ ናብ ቅድሚ ግ ንጉስ ኣተወ።
2. ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐልቤቱ ኣውጺኡ ንማርካዶይ ሀቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ።
3. ኣስቴር ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተዛረበት፡ ክፍኣት ሃማን ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እተጣበቦ ጥበቡ ምእንቲ ኼፍርስ ከአ፡ ኣብ እግሩ ወዲቓ እነበኸየት ለመነቶ።
4. ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር እታ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት፡
5. በለት ከአ፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ እንተ ረኺበ፡ እዚ ነገር እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፡ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኩሉ ሃገራት ንጉስ ዘለው ኣይሁድ ኬጥፍእ አሚሙ ዝጸሐፈን ደብዳቤታት ኪልወጣ ይጸሓፍ።
6. ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዚመጽእ መከራ ኽርኢ እኽእል፡ በለት።
7. ሽዑ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እንሆ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣሎኹ፡ ንእኡ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ስለ ዝዘርግሔ፡ ናብ ጉንዲ ሰቐልዎ።
8. እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሐትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸአ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሐፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከአ ሕተምዎ በለ።
9. በታ ጊዜ እቲኣ ብሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ሲዋን፡ ብመበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዞ ኹሉ ዘረባ፡ ናይ ኣይሁድን ናብ ሹማምትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ሓላቑ ሃገራትን፡ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ፡ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር፡ በብሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ሄህዝቢ ኸአ በብዘረባኡ፡ ንኣይሁድ ድማ ከም ኣጸሓሕፍኦምን ከም ዘረባኦምን ጸሐፈሎም።
10. ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ጸሐፎ፡ በቀለቤት ንጉስ ድማ ሐተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ።
11. ኣብኡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለው ኣይሁድ ኪእከቡ እሞ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ፡ ነቶም ሓደጋ ዚወድቅዎም ናይ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስናይ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ኪዘምቱን ፈቐደሎም።
12. ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ በመብል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር እያ፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ።
13. ኣይሁድ ከአ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጸላእቶም ሕነ ኺፈድዩ ኺዳለውስ፡ ቅዳሕ እቲ ጽሕፈት ኣብ ኩለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሀብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ተነግረ።
14. እቶም ኣፍራስን ኣባቕልን እተወጥሐ ፈጣናይ ልኡኻት ብትእዛዝ ንጉስ ብሃወኽ ወጹ፡ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ተወህበ።
15. ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዩ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ ቐይሕን ጻዕዳን ተወንዚፉ፡፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። ከተማ ሱሳን ከአ እልል እነበለት ተሐጎሰት።
16. ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጎስን ደስታን ክብረትን ኮነ።
17. ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበጽሖ ዘበለ ቦታ ንኣይሁድ ሓጎስን ደስታን መብልዕን መስተን ጽቡቕ መዓልትን ኮነ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸአ፡ ፍርሃት ኣይሁድ ስለ ዝወደቖም፡ ብዙሓት ኣይሁድ ኮነ።

  Esther (8/10)