Esther (7/10)  

1. ንንጉስ ሃማንን ከአ ኪሰትዩ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መጹ።
2. በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኺሰትዩ ኸለው ድማ ንጉስ ንኣስቴር መሊሱ፡ ዎ ንግስቲ ኣስቴር፡ ልማኖኺ እንታይ እዩ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እኳ እንተ ኾነ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ።
3. ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ፡ ዎ ንጉስ ኣብ ኣዒንትኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከአ ብድላየይ ይወሀበኒ።
4. ኣነን ህዝበይን ንምጥፋእን ንምሕራድን ንምድምሳስን ተሸጥና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሸኢጥና እንተ ንኸውንሲ፡ ስቕ ምበለኩ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ እቲ ንንጉስ ዚገብሮ ጉድኣት ኪጣጣእ ኣይኽእልን እዩ ብለት።
5. ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ እቲ ነዚ ኺገብር ልቡ ዝመልኤ መን እዩ፡ ንሱስ ኣበይ ኣሎ፡ በላ።
6. ኣስቴር ከአ፡ እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ እዚ ሕሱም ሃማን እዩ፡ በለት። ሽዑ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ራዕራዕ በለ።
7. ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዚሰትየሉ ዝነበረ ብቑጥዓ ተንሲኡ፡ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣደራሽ ከደ። ሃማን ግና፡ ካብ ንጉስ መከራ ኸም እተመደበሉ ርእዩ ነበረ እሞ፡ ህይወቱ ኽትምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ኪልምን ደው በለ።
8. እቲ ንጉስ ከአ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣደራሽ ናብቲ ወይኒ ዚሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ሃማን ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ ድማዶ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲ ኽዕምጻ ደልዩ በለ። እዚ ቓል እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ።
9. ሓርቦና፡ ሓደ ኻብቶም ስሉባት ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ሃማን ንማርዶካይ፡ ነቲ ንንጉስ ጽቡቕ እተዛረበሉ፡ ኢሉ ዘዳለዎ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ፡ እንሆ፡ ኣብ ቤት ሃማን ደው ኢሉ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ ከአ፡ ንእኡ ናብኡ ስቐልዎ በለ።
10. ከምዚ ንሃማን ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጉንዲ ሰቐልዎ። ሽዑ ቑጣ ንጉስ ዘሐለ።

  Esther (7/10)