Esther (6/10)  

1. እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዜልቦ ሓደረ፡ እቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል መዘከርታ ኼምጽኣሉ ኸአ ኣዘዘ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከአ ተነብበ።
2. እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፡ ቢግታናን ተረሽን፡ ኢዶም ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪዝርግሑ ኸም ዝሐሰቡ፡ ማርዶካይ ከአ ከም ዝነገሮ ተጽሒፉ ተረኸበ።
3. ሽዑ ንጉስ፡ ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ፡ በለ። እቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ድማ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን፡ በሉ።
4. እቲ ንጉስ ከአ፡ ኣብ መካበብያ መን ኣሎ፡ በለ። ሃማን ንማርዶካይ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጉንዲ ኺሰቕልዎ፡ ንንጉስ ኪነግር ኢሉ፡ ናብቲ ወጻኢ መካበብያ ቤት ንጉስ ኣትዩ ነበረ።
5. እቶም ገላው ንጉስ ድማ፡ እንሆ፡ ሃማን ኣብ መካበብያ ደው ኢሉ ኣሎ፡ ብልዎ። ንጉስ ከአ፡ ይእቶ በለ።
6. ሃማን ድማ ኣተወ። ንጉስ ከአ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኺገብረሉ ይግባ፡ በለ። ሃማን ድማ ብልቡ፡ ንጉስ ካብ ንኣይ ንመን ኬኽብር ምፈተወ፡ ኢሉ ሐሰበ።
7. ሃማን ድማ ንንጉስ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፡
8. ንጉስ ዚኽደኖ ልብስ መንግስቲ፡ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስ የምጽኡሉ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ።
9. እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከአ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹማምቲ ንጉስ ይወሀብ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዚደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፡ ኣብ ፈረስ ኣወጢሖምውን ብአደባባይ እታ ኸተማ የሕልፍዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸአ፡ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ ኢሎም ኣዋጅ ኣወጁ በሉ።
10. ሽዑ ንጉስ ንሃማን፡ ቀልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፡ ነቲ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ ንማርዶካይ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምኡ ገብረሉ። ካብዚ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጎደል፡ በለ።
11. ሃማን ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ። ንማርዶካይ ድማ ኸደኖ፡ ናብ ፈረስውን ኣወጥሖ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተኣ ድማ ኣብ ቅድሚኡ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለየ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ እናበለ ኣዋጅ ነገረ።
12. ማርዶካይ ድማ ናብ ደገ ንጉስ ተመልሰ፡ ሃማን ግና ጉህዩ ርእሱ ተጎልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።
13. ሃማን ከአ እቲ ዝወረዶ ኹሉ ንዘረሽ ሰበይቱን ንኹሎም ፈተውቱን ኣዘንተወሎም። እቶም ጠቢባኑን ዘረሽ ሰበይቱን ድማ፡ ማርዶካይ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘሎኻ፡ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደአ ኾይኑ፡ ፈጺምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፡ ንእኡስ ገለ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ በልዎ።
14. ገና ንሳቶም ምስኡ ኺዛረቡ ኸለው፡ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መጹ፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ኬምጽእዎ ሀወኽዎ።

  Esther (6/10)