Esther (5/10)  

1. ኮነ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸድነት፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ቤት ንጉስ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከአ ኣብ መንጽር ደገ ቤቱ፡ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኾፍ ኢሉ ነበረ።
2. ኮነ ኸአ፡ እቲ ንጉስ ንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞጎስ ረኸበት፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዛንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ቅርብ ኢላ፡ ርእሲ ዘንጉ ተነከየት።
3. ሽዑ ንጉስ፡ ንግስቲ ኣስቴር ፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እንታይሲ ትደልዩ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተ ኾይኑ ኺወሀበኪ እዩ፡ በላ።
4. ኣስቴር ከአ፡ ንጉስ እንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ኾይኑ ሎሚ ይምጻእ በለት።
5. እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኺግበርሲ፡ ንሃማን ቀልጢፍኩም ጸውዕዎ፡ በለ። ንጉስን ሃማንን ድማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶኦ ምሳሕ መጹ።
6. ነቲ ወይኒ ኺሰትዮ ኸለው፡ ንጉስ ንኣስቴር ልማኖኺ እንታይ እዩ፡ ኪወሀበኪ እዩ፡ እንታይ እዩ ድላይኪ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እንተ ኾነ እኳ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ።
7. ኣስቴር ከአ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ ልማኖይ ኪህበንን ድላየይ ኪገብርን ኣንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእ፡ ጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት።
8. ኣስቴር ከአ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ ልማኖይ ኪህበንን ድላየይ ኪገብርን ኣንተ ደአ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእ፡ ጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት።
9. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ ኸአ ተሓጉሱ ወጸ። ግናኸ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ሓፍ ከየበለ ኻብኡውን ከይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ምስ ረአዮ፡ ባ ልዕሊ ማርዶካይ ቁጥዓ መልኦ።
10. ሃማን ግና ንርእሱ ዝግ ኣበለ። ናብ ቤቱ ምስ አተወ ኸአ፡ ልኢኹ ንገተውቱን ንዘረሽ ሰበይቱን ኣምጽኦም።
11. ሃማን ከአ ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፡ ንጉስ ብኹሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ሓላቑን ገላው ንጉስን ክብ ከም ዘበሎን ነገሮም።
12. ሃማን ድማ ወሲኹ በለ፡ ንግስቲ ኣስቴር ከአ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብጀካይ ኣይጸውዔትን። ንጽባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተጸውዔ አሎኹ።
13. እዚ ኹሉ ግና፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ ባህ ኣይበለንን እዩ፡ በለ።
14. ሽዑ ዘረሽ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ኹላቶምን ኮይኖም፡ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ ኣዳሉ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀልሲ ፡ ጽባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕርቲ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ፡ በለቶ። እዚ ነገር ንሃማን ባህ ኣበሎ እሞ፡ ጉንዲ ኸም ዜዳልው ገበረ።

  Esther (5/10)