Esther (3/10)  

1. ድሕሪ እዚ ነገር ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እታ ኣጋግዊ፡ ክብ ኣበል ኣኽበሮውን፡ መንበሩ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዚነበሩ ኹላቶም ሹምማቲ ልዕል ኣበሎ።
2. እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።
3. ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ።
4. ኮነ ኸአ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ።
5. ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ፡ ብቑጥዓ መልኤ።
6. ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ምስ ነገርዎ ኸአ፡ ኢዱ ንማርዶካይ ጥራይ ኪዝርግሓሉ፡ ኣብ ዓይኑ እተናዕቀ ኾይኑ ተራእዮ፡ ስለዚ ሃማን ንህዝቢ ማርዶካይ፡ ነቶም ኣብ ዝበላ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ኹላቶም ኣይሁድ ኬጥፍኦም ደለየ።
7. ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ኒሳን፡ ንመንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሃማን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፡ ካብ ወርሒ ንወርሒ፡ ክሳዕ ኣብ መበለ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ጲር፡ እዚ ማለት ዕጭ ኣውድቖ።
8. ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ኩለን ሃገራት መንግስትኻ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ሓደ ፍሉይ ህዝቢ እተዘርዘረን ፋሕ ዝበለን ኣሎ። ሕጎም ከአ ካብ ኩሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕጋጋት ንጉስውን ኣይሕልውን እዮም፡ ስለዚ ንጉስ ኪሓድጎም ኣይግባእን እዩ።
9. ንንጉስ ጽቡቕ እንተ ደአ መሰሎ፡ ኪጠፍእ ይጽሐፍ። ኣነ ድማ ብኢድ እቶም ዓየይቲ ናብ መዝገብ ንጉስ ኪአቱ ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩር ክመዝን እየ በለ።
10. ሽዑ ንጉስ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡ ጸላእ ኣይሁድ ሀቦ።
11. ንጉስ ከአ ንሃማን፡ ጽቡቕ ኮይኑ እተራእየካ ኽትገብርስ፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተዋሂቡ እዩ፡ በሎ።
12. ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ስለስተ መዓልቲ ድማ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ፡ ከምቲ ሃማን ዝአዘዞ ኹሉ ኽአ ናብ ሹማምቲ ንጉስን ኣብ ሀሃገር ንዘለው ገዛእትን ኣብ ነናይ ህዝቢ ሓላቑን ነንሃገር ከከም ስርዓት ኣጸሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ድማ በብቛንቛኡ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለበኢት ንጉስ ከአ ተሐትመ።
13. ብሓንቲ መዓልቲ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ንኹላቶም ኣይሁድ፡ ነጉባዝን ኣረገውትን፡ ንሕጻናትን ኣንስትን። ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ከአ ኪዘምትዎምንሲ፡ ደብዳቤታት ብቕልጡፋት ፈረሰኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ንጉሰ ሰደድዎ።
14. ነዛ መዓልቲ እዚኣ ተዳልዮም ኪጸንሑስ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት እቲ ትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ። እቲ ትእዛዝ ከአ ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ተዋህበ። ንንጉስን ሃማንን ድማ ኮፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ። እታ ኸተማ ሱሳን ግና ሰንበደት።

  Esther (3/10)