Esther (2/10)  

1. ድሕርዚ ነገር እዚ ኹራ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ዘሐለ፡ ንዋሽትን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ዝፈረዳ ነገርን ሐሰበ።
2. ሽዑ እቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ፡ ንንጉስ ጽቡቕ ዝመልክዔን ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ፡ በሉ።
3. እቲ ንጉስ መልክዔን ዝጸበቓ ኹለን ደናግል ኣዋልድ ናብ ኣደራሽ ሱሳን ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፡ እቲ ስሉብ ጊልያ ንጉስ ሓላው ኣንስቲ፡ ዚእክብወን ሹማምቲ ኣብ ኩሉ ግዝኣት መንግስቱ የቐምጥ። ንምድላው ኤድሊ ኸአ ይወሀበን።
4. ንዓይኒ ንጉስ ባህ እተብል ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ በሉ። እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ፡ ከምኡ ገበረ።
5. ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓደ ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ወዲ ያኢር፡ ወዲ ሽምዒ፡ ወዲ ቂስ፡ ካብ ደቂኦ ብንያም ነበረ።
6. ንሱ ምስቶም ምስ ኢኮንያ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት ነቡክዳነጸር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ፡ ካብ ዮርሳሌም እተማረኸ ነበረ።
7. ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸአ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸአ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸአ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።
8. ኮነ ኸአ፡ ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዔ፡ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናይ ኣደራሽ ሱሳን፡ ብዙሓት ኣዋልድ ምስ ተአከባ ድማ፡ ንኣስቴር ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምጽእዋ።
9. እታ ጓል ከአ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበለቶ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንምድላዋ ዜድልያን ዚግብኣ ምግብን ካብ ቤት ንጉስ እተመደበላ ሾብዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሀባ። ንእኣን ነግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለጸ ቤት ኣስፈራ።
10. ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።
11. ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡ ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዜድሊ ኻልእ ከአ።
12. ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡ ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዜድሊ ኻልእ ከአ።
13. በዚ ኸምዚ ኸአ እታ ጓል ናብ ንጉስ ኣተወት፡ ዝደለየቶ ኹሉ ድማ ምስኣ ኻብ ቤት ኣንስቲ ናብቲ ቤት ንጉስ ኪአቱ ተዋህባ።
14. ንሳ ምሸት ትኸይድ ነበረት፡ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ቤት ኣስንቲ፡ ናብ ሻዕሽጋዝ፡ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ ወሰኑ፡ ትኸይድ ነበረት። ንሳ ንጉስ ከየድለያን ብስማ ኸአ ከይጸውዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትአቱን ነበረት።
15. ንኣስቴር ጓል ኣቢሓይል፡ ሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሐዛ፡ ናብ ንጉስ ክትአቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ብጀካ ሂጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከአ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ኩላቶም ተፈትወት።
16. ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸአ ወርሒ ጤቤት፡ ብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ።
17. ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸአ ሐለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞጎስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ።
18. ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸአ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከአ ህያባት ሀበ።
19. ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ።
20. ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።
21. በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽን፡ ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎ፡ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ።
22. እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸአ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ።
23. እቲ ዘረባ ኸአ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ።

  Esther (2/10)