| ← Esther (10/10) |
| 1. | ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ። |
| 2. | ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኩሉ ግብሪ ንጉስ ንማርዶካይ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮ፡ ምሉእ ዛንታ ዕቤቱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጽሒፋዶ ኣየሎን፡ |
| 3. | ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣሓሽዊሮስ ካልኣዩ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣይሁድ ክቡር፡ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸአ ፍትዊ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ደለየ፡ ንኹላቶም ዘርኡ ደሓኖም ተዛረበ። |
| ← Esther (10/10) |