Esther (1/10)  

1. ኮነ ኸአ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡ እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ።
2. በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ዝነበረ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ምስ በለ፡
3. ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንኹሎም ሹማምቲ ንገላውኡን ንሰራዊት ፋርስን ሜዶንን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም።
4. ሽዑ ሃብቲ እቲ ኽቡር መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉጽ ግርማኡን ንብዙሕ መዓልቲ፡ ሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ኣርአዮም።
5. እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ሐለፋ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ዝነበሩ ህዝቢ ኹላቶም፡ ካብ ዓብዩ ኽሳዕ ንእሽቶ ኣብ ማኣከል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤት ንጉስ ሾብዓተ መዓልቲ ምሳሕ ገበረ።
6. ጻዕዳን ሓምላይን ሰማያውን መጋረጃታት፡ ብጻዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተአሲሩ፡ ብቐላብቲ ብሩር ተንጠልጢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብጻዕዳ እምነ በረድን ብሉልን ብጸሊም እምነ በረድን እተኸድነ ምድሪ ቤት፡ ኣብኡ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።
7. እቲ መስቴታት ድማ ብኣቓሑ ወርቂ ኣቕረቡ፡ እቲ ኣቓሑ ኸአ በብዓየነቱ ነበረ። ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ከአ እቲ ወይኒ መንግስቲ ብዙሕ ነበረ።
8. ንጉስ ከአ ንኹሎም እቶም መዃንንቲ ቤቱ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደአ ኺገብሩ እምበር፡ ንሓደ እኳ ግዲ ኸይብልዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ነበረ።
9. እታ ንግስቲ ዋሽቲ ድማ ኣብ ቤት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነንስቲ ምሳሕ ገበረት።
10. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንጉስ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፡ ንመሁማን፡ ቢዝታ፡ ሓርቦና፡ ቢግታ፡ ኣባግታን ዜታርን ካርካስን እዞም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ዜገሉ ሾብዓተ ስሉባቱ፡
11. ንግስቲ ዋሽጢ፡ መልክዔኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብን ንሿምማትን ከተርኢ፡ ዘውዲ ንጉስ ደፊኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ አዘዞም።
12. ንግስቲ ዋሽቲ ግና በቲ እቶም ስሉባት ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኾረየ፡ ኩራኡ ኸአ ነደደ።
13. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ናይ ዘመናት ነገር ዚፈልጡ ጠባቢባን ተዛረቦም፡ ናይ ንጉስ ነገርሲ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ሕግን ፍርድን ዚፈልጡ ኸምዚ ይግበር ነይሩ እዩ።
14. እቶም ናብ ጥቓኡ ዚቕርቡ ዝነበሩ ኸአ፡ ካርሽና፡ ሴታር፡ ኣድማታ፡ ተርሺሽ፡ ሜረስ፡ ማርስና፡ ምውካን፡ እቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ዚቕመጡ ዝነበሩ ሾብዓተ ሹማምቲ ፋርስን ሚዶንን እዮም።
15. ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ በቶም ስሉባቱ ገይሩ ዛአዘዛ ስለ ዘይገብረት፡ ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር፡ በሎም።
16. መሙካን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን፡ ንግስቲ ዋሽቲ ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ንዘለው ኹላቶም ህዝብታትን እምበር፡ ንንጉስ ጥራይ ኣይኮነትን ዝበደለት በለ።
17. እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር ናብ ኩለን ኣንስቲ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ሰባኡተን ኣብ ቅድሚኤን ንዒቐን፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብኡ ኼምጽእዋ አዘዘ፡ ግናኸ ኣይመጸትን፡ ኪብላ እየን።
18. ሎሚ ኸአ ወዘራርዝ ፋስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፡ ንኹላቶም ሹማምቲ ንጉስ ከምኡ ኺብላኦም እየን እሞ፡ ብዙሕ ንዕቀትን ኩራን ኪኸውን እዩ።
19. ንጉስ ኣንተ ደአ ፈትዩስ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፡ ከይፈረሰ ከአ፡ ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይጸሓፍ። ደጊም ዋሽቲ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፡ ንጉስ ድማ መንግስታ ንኻልእ፡ ካብኣ ንትሓይስ ይሀብ።
20. እቲ ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ብዘላ እዛ ገፋሕ መንግስቱ ምስ ተሰምዔ ኸአ፡ ኩላታን ኣንስቲ ንሰባኡተን፡ ካብ ዓቡዩ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኺህባኦም እየን።
21. እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ንንጉስን ሹማምትን ባህ ኣበሎም እሞ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ።
22. ኣብ ኩሉን ሃገራት እቲ ንጉስ ድማ ነንሃገር ከም ስርዓት ኣጻሓሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ኸአ በብዘረባኡ ደብዳበ ሰደደ። በተን መልእኽትታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቤቱ ይምለኽ፡ ብዘረባ ህዝቡ ኸአ ይዛረብ።

      Esther (1/10)