← Ephesians (6/6) |
1. | ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። |
2. | ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ |
3. | ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። |
4. | ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም። |
5. | ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩምሲ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም። |
6. | ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን። |
7. | ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። |
8. | ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ። |
9. | ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ። |
10. | ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። |
11. | እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። |
12. | እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። |
13. | ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቕዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኲሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። |
14. | ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። |
15. | ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። |
16. | ምስናይ እዚ ዂሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። |
17. | ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። |
18. | ብዂሉ ጸሎትን ልማኖን ኲሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብዂሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዂሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ |
19. | ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሀበኒ፡ |
20. | ብዛዕባኡ ብመቚሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸይኑ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ። |
21. | ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልን፡ ኲሉ ኺነግረኩም እዩ። |
22. | ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ኪጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። |
23. | ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን። |
24. | ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዂሎም ጸጋ ይኹን። |
← Ephesians (6/6) |