Ephesians (5/6)  

1. ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።
2. ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና ነጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
3. ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኲሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም።
4. ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።
5. ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስስዑ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም።
6. ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቊጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
7. እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሀሉኹም።
8. ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
9. ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
10. ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
11. ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
12. እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ።
13. ግናከ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኲሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሀድ እዩ።
14. ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሀልካ እዩ፡ ይብል።
15. እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
16. እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
17. ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ።
18. ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
19. ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
20. ንኣምላኽን ነቦን ዂሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኲሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡
21. ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።
22. ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
23. ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
24. ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዂኩ ይተኣዘዛኦም።
25. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ።
26. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ።
27. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ።
28. ሰብኡትውን ከምእሪ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮ ኬፍቅርወን ይብኦም እዩ።
29. ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ።
30. ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ።
31. ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ።
32. እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ።
33. ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።

  Ephesians (5/6)