Ephesians (4/6)  

1. ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ።
2. ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡
3. ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ።
4. ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡
5. ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡
6. እቲ ልዕሊ ዂሉን ብዂሉን ኣብ ኲሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዂኡን ንሱ እዩ።
7. ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ።
8. ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበ፡ ይብል።
9. እዚ፡ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቚ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
10. እቲ ዝወረደ፡ ንዂሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዂሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ።
11. ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።
12. ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።
13. ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።
14. ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዂሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡
15. ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።
16. ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብምጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ።
17. እምብኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳባት ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ።
18. ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦም ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡
19. ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።
20. ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሀርኩምዎን።
21. እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡
22. ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡
23. በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡
24. እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።
25. ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።
26. ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዂራኩም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።
27. ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ።
28. እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።
29. እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
30. ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ።
31. ብዘሎ መሪርን ነድርን ኲራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኲሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ።
32. ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

  Ephesians (4/6)