| ← Ephesians (2/6) → |
| 1. | ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። |
| 2. | ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። |
| 3. | ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። |
| 4. | ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ |
| 5. | ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ |
| 6. | ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። |
| 7. | ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። |
| 8. | ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኸም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። |
| 9. | ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኸም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። |
| 10. | ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና። |
| 11. | ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋ፡ በታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሀልኩም፡ ዘክሩ። |
| 12. | በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም፡ ዘክሩ። |
| 13. | ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። |
| 14. | ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ |
| 15. | ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ |
| 16. | ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም። |
| 17. | ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። |
| 18. | ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። |
| 19. | እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። |
| 20. | እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። |
| 21. | ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። |
| 22. | ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም። |
| ← Ephesians (2/6) → |