Ephesians (1/6)  

1. ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን፡
2. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
3. እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።
4. ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡
5. በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።
6. በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።
7. ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።
8. ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።
9. ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።
10. ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።
11. ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዂሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
12. ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዂሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
13. ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም።
14. ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።
15. ስለዚ ኸኣ ኣነ ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዂሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡
16. ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም ኤመስግን ኣሎኹ።
17. ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺሀበኩም፡
18. እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ።
19. ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ።
20. ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ።
21. ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ።
22. ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ።
23. ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዂሉ ኣብ ኲሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።

      Ephesians (1/6)