Ecclesiastes (9/12)  

1. ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ፡ ነዚ ኹሉ ምእንቲ ኽዕዘብ፡ ንልበይ ኣቕናዕክዎ። ሰብሲ ፍቕሪ ወይስ ጽልኢ ኣይፈልጥን፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚኦም እዩ።
2. ኩሉ ንኹሎም ማዕረ ማዕረ ይበጽሖም፡ ንጻድቕን ንረሲእን፡ ንሕያዋይን ንንጹህን ንርኹስን፡ ነቲ ዚስውእን ዘይስውእን፡ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፡፡ ከምቲ ንዚምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዚፈርህ ሓንቲ ብጽሒት እያ እትበጽሖም።
3. እዚ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ንኹላቶም ሓንቲ ብጽሒት ምብጻሕስ እኩይ እዩ። እምበአርሲ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ መሊኡ እዩ፡ ብህይወቶም ከለው ድማ፡ ዕብዳን ኣብ ልቦም አሎ፡ ድሕርዚውን ናብ ምውታት ይኸዱ።
4. ካብ ምውት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ እሞ፡ ነቲ ምስ ኩሎም ህያዋን እተሐባበረ ተስፋ አለዎ።
5. ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
6. ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ኸአ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።
7. ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጎስ ልቢ ስተ።
8. ክዳውንትኻ ኹሉ ጊዜ ይጻዕዱ፡ ንርእስኻ ድማ ዘይቲ ኣይተጉድለሉ።
9. እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጎስ ንበር።
10. ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎብን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ ግበሮ።
11. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከአ ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ኹሎም ጊዜን ኣይፈልጣን እዩ እሞ፡ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ፡ ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ፡ ከምኡ ኸአ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም፡ ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ።
12. ኣነ ኸአ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡
13. ኣነ ኸአ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡
14. ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፡ ዓብዩ ንጉስ መጸ ኸበባ ድማ፡ ኣብ ዙርያኣውን ዓበይቲ ግምብታት ሰርሔ፡
15. ኣብኣ ኸአ ጠበብኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኸበ፡ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሐና፡ ግናኸ ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሐደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።
16. ሽዑ ኣነ፡ ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፡ ቃላቱውን ኣይስማዕን እዩ፡ በልኩ።
17. ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ ማእከል ዓያሱ ዚገዝእስ ብህድኣት ዚስማዕ ቃል ጥበበኛታት ይበልጽ።
18. ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ፡ ሐደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ የጥፍእ።

  Ecclesiastes (9/12)