| ← Ecclesiastes (8/12) → |
| 1. | ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ። |
| 2. | ኣነ፡ ስለ ማሕላ ኣምላኽ ኢልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሐልዎ፡ እብለካ አሎኹ። |
| 3. | ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካ፡ ዚብሎ መን እዩ፡ እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሀወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕል፡ |
| 4. | ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካ፡ ዚብሎ መን እዩ፡ እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሀወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕል፡ |
| 5. | እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንኹሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸአ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡ |
| 6. | እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንኹሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸአ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡ |
| 7. | ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን እዩ፡ ከምይ ከም ዚኸውን ዚነግሮ ደአ መን እዩ፡ |
| 8. | ሰብ ንንፋስ ኪኽልክሎ ስልጣን የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ዚስልጥንውን የልቦን፡ ኣብ ውግእ ከም ምስንባት የልቦን፡ ረሲእነት ነቲ ገባሪኡ ኣየድሕኖን። |
| 9. | እዚ ኹሉ ርኤኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግብሪ ኣቢለ ኸአ ልበይ ኣቕናዕኩ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣት ዚስልጥንሉ ጊዜ ኣሎ። |
| 10. | ከምኡ ኸአ ረሲኣን ከም እተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝአተውን ርኤኹ። እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ስፍራ ረሐቑ፡ ኣብታ ኸተማ ኸአ ተረስዑ። እዚውን ከንቱነት እዩ። |
| 11. | እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፈርድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልብቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ። |
| 12. | ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ፡ መዓልትታትውን እንተ ኣንውሔ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚኾነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። |
| 13. | ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ፡ ሰናይ ኣይኮነሉን፡ ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን። |
| 14. | ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱነይ አሎ፡ ከም ግብሪ ረሲኣን ዚበጽሖም ጻድቃን አለው፡ ከም ግብሪ ጻድቃን ዚበጽሖም ረሲኣን ድማ ኣለው። እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ። |
| 15. | ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ። |
| 16. | ሰብሲ ለይትን መዓልትን አዒንቱ ሰለምታ ኣይርእያን እየን እሞ፡ ንጥበብ ክፈልጣ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ውራይ ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕክዎ፡ |
| 17. | ሽዑ ብዛዕባ ኹሉ ግብሪ ኣምላኽ፡ ሰብ ኪምርምሮ ኢሉ እንተ ጸዐረ፡ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፡ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ግብሪ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል፡ ርኤኹ። ጥበበኛውን ዚፈልጦ እንተ መሰሎ፡ ኪረኽቦስ ኣይክእልን እዩ። |
| ← Ecclesiastes (8/12) → |