Ecclesiastes (7/12)  

1. ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።
2. ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ኹሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ።
3. ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።
4. ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ።
5. ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ።
6. ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
7. ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ፡ መማለጃ ኸአ ንልቢ የጥፍኦ።
8. ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
9. ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።
10. ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ።
11. ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህየት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።
12. ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህየት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።
13. ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዝጎበጦ መንከ የቕንዖ፡
14. በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ።
15. ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎ፡ ረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ኽሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎ።
16. እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፡
17. እምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት፡
18. ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።
19. ካብ ኣብ ከተማ ዘለው ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ።
20. ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።
21. ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ኹሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ።
22. ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ኹሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ።
23. ነዚ ኹሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት።
24. እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሐ ይኽእል፡
25. ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥ፡ ክምርምር ክደሊውን፡ ረሲእነትሲ ዕሽነት፡ ዕብዳን ከአ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ። ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ።
26. ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸአ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ።
27. እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል።
28. ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሐደ ሰባኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።
29. እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

  Ecclesiastes (7/12)