Ecclesiastes (6/12)  

1. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ፡ ንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ፡
2. ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸአ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ አየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።
3. ሰብ ሚእትን ቖልዓ እንተ ዚወልድ፡ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሚኡውን እንተ ዚበዝሕ፡ ነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቁላዕ ይሐይሽ፡ እብል ኣሎኹ።
4. ብኸንቱነት ይመጽእ፡ ብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል።
5. ንጸሓይ ኣይርእያን፡ ኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ።
6. ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ።
7. ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን።
8. ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡
9. ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
10. ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።
11. ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።
12. ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።

  Ecclesiastes (6/12)