Ecclesiastes (4/12)  

1. ኣነ ኸአ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።
2. ስለዚ ኻብዞም ገና ብህይወት ዘለው ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምውታት ዘለው ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምውታት ኣመስገንኩ።
3. ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ዘይነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር እኩይ ግብሪ ዘይረአየ ኣዝዩ ይሐይሽ።
4. ኩሉ ጻዕርን ኩሉ ምስላጥ ዕዮን ከአ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
5. ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ።
6. ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይንሲ ሓንቲ ዕሙኹቲ ምስ ዕረፍቲ ይሓይሽ።
7. ተመሊሰ ድማ ከንቱነት ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡
8. በይኑ ዚነብር፡ ካልኣይ ዜብሉ፡ ውሉድ ወይስ ሓው ዜብሉ ሰብ አሎ። ምስናይዚ ንጻዕሩ ወሰን የብሉን፡ ኣዒብንቱ ኸአ ሃብቲ ኣይጸግባን፡ ነፍሰይ ጽቡቕ እናኸላእኩ ዝደኸሞኽ ንመን እዩ፡ እዚውን ከንቱነትን ሕማቕ ጻዕርን እዩ።
9. ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
10. ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
11. ከምኡ ኸአ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡
12. ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።
13. ካብ ምኽሪ ምቕባል ዘይፈልጥ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ ድኻን ጥበበኛን መንእሰይ ይሐይሽ።
14. ብመንግስቱ ስኻ ኾይኑ እኳ ተወሊዱ ኽነሱ፡ ንጉስ ኪኸውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ።
15. ኣነ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚመላለሱ ኹሎም ህያዋን ምስቲ ኣብ ክንዳኡ ኪቐውም እተመደበ ኻልኣይ ጎበዝ ርኤኽዎም።
16. እቲ ንሱ ዚመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፡ ግናኸ እቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ብእኡ ኣይኪሕጎሱን እዮም። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

  Ecclesiastes (4/12)