Ecclesiastes (3/12)  

1. ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ ኣለዎ።
2. ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምትካል ጊዜ ኣለዎ።
3. ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ።
4. ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ ኣለዎ።
5. ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ ኣለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ።
6. ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ።
7. ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣለዎ።
8. ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።
9. እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡
10. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ።
11. ንኹሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።
12. ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ።
13. እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
14. ኣምላኽ ዝገበሮ ኹሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላክ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ።
15. እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸአ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ።
16. ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ።
17. ኣነ ብልበይ ንኹሉ ነገርን ንኹሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ።
18. ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ።
19. ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብዝሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።
20. ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኪሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።
21. እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣአ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ እወ ይፈልጥ፡
22. ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ።

  Ecclesiastes (3/12)