Ecclesiastes (2/12)  

1. ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ።
2. ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅም፡ በልክዎም።
3. ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸአ ክሕዛ ሐሰብኩ።
4. ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ።
5. ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ።
6. ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ።
7. ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ።
8. ብሩር፡ ወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ።
9. በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድና እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት።
10. ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ።
11. ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።
12. እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ።
13. ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹ።
14. ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ።
15. ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደአ ኣዝየ ጥበበኛ ዘይኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ።
16. በተን ዚመጻ መዓልትታት ኩሉ ይርሳዕ ስለ ዝኾነ፡ መዘከርታ እቲ ጠበብኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እየ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት።
17. ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ።
18. ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ።
19. ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ኾይኑ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጊይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ።
20. ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ።
21. እንሆ፡ ንጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ ኣሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ።
22. ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኩሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡
23. ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
24. ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ነነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ርኤኹ።
25. ካባይ ኣብሊጸ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡
26. ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

  Ecclesiastes (2/12)