| ← Ecclesiastes (2/12) → |
| 1. | ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ። |
| 2. | ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅም፡ በልክዎም። |
| 3. | ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸአ ክሕዛ ሐሰብኩ። |
| 4. | ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ። |
| 5. | ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ። |
| 6. | ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ። |
| 7. | ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ። |
| 8. | ብሩር፡ ወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ። |
| 9. | በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድና እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት። |
| 10. | ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ። |
| 11. | ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን። |
| 12. | እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ። |
| 13. | ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹ። |
| 14. | ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ። |
| 15. | ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደአ ኣዝየ ጥበበኛ ዘይኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ። |
| 16. | በተን ዚመጻ መዓልትታት ኩሉ ይርሳዕ ስለ ዝኾነ፡ መዘከርታ እቲ ጠበብኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እየ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት። |
| 17. | ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ። |
| 18. | ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። |
| 19. | ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ኾይኑ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጊይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ። |
| 20. | ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ። |
| 21. | እንሆ፡ ንጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ ኣሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ። |
| 22. | ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኩሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡ |
| 23. | ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። |
| 24. | ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ነነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ርኤኹ። |
| 25. | ካባይ ኣብሊጸ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡ |
| 26. | ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። |
| ← Ecclesiastes (2/12) → |