| ← Ecclesiastes (12/12) |
| 1. | ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። |
| 2. | ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ |
| 3. | በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርትይዓት ሰብኡት ዚጉብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩረላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳኹቲ ዚጽልምቱላ፡ |
| 4. | ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ |
| 5. | ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። |
| 6. | ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ |
| 7. | መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ። |
| 8. | ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ። |
| 9. | ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ። |
| 10. | እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ። |
| 11. | ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸአ እዩ። |
| 12. | ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ። |
| 13. | መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። |
| 14. | ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ። |
| ← Ecclesiastes (12/12) |