| ← Ecclesiastes (11/12) → |
| 1. | ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ። |
| 2. | ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ። |
| 3. | ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር። |
| 4. | ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ። |
| 5. | ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ኹሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ። |
| 6. | ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር። |
| 7. | ብርሃን ጥዑም እዩ፡ ኣዒንቲ ንጸሃይ ኪጥምታአ ኸለዋ ኸአ ባህ ይብለን። |
| 8. | ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ አነበረ፡ ብኹላተን ይተሐጎስ፡ ግናኸ እተን መዓልትታት ጸልማት ከም ዝበዝሓ ይዘክር። እቲ ዚመጽእ ዘበለስ ኩሉ ኸንቱነት እዩ። |
| 9. | ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ። |
| 10. | ንእስነትካ ብጽሕነትን ከንቱነትን እዩ እሞ፡ ስለዚ ጓሂ ልብኻ፡ ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቆ። |
| ← Ecclesiastes (11/12) → |