Deuteronomy (9/34)  

1. ዎ እስራኤል፡ ስምዕ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዮን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፡ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትአቱ ኢኻ።
2. ዎ እስራኤል፡ ስምዕ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዮን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፡ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትአቱ ኢኻ።
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዚበላዕ ሓዊ ቐቕድሜኻ ከም ዝሓልፍ ከአ፡ ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኼጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸአ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካ፡ ከተውጻኦም፡ ቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ።
4. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነኣ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእተወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደአ እዩ።
5. ብጽድቕኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኮንካን ንስኻ ንምድሮም እትአትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዚገብርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሓለሎም ነገር ማኣንቲ ኬቐውም ደአ እዩ።
6. ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይህበካ ፍለጥ።
7. ዘከር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዜኼሬኽዩ፡ ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ።
8. ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣኾሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከአ ተናዲድኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ።
9. ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኽትኩም ዝአተዎ ኺዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩም፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹም ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።
10. እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሀበኒ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኽትኩም እተዛረቦ ኹሉ ቓላት ከአ ኣብኤን ተጽሒፉ ነበረ።
11. ኮነ ኸአ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሀበኒ።
12. እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝአዘዝክምዎ መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፡ ዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድ በለኒ።
13. እግዚኣብሄር ከአ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣለኹ፡ እንሆ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ።
14. ከጥፍኦም፡ ስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ደማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽግብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ።
15. ተመሊሰ ኸአ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከአ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ።
16. ጠመትኩ ድማ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም።
17. ነተን ክልተ ጽላት ሓጽኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርበየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን።
18. በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኾርይዋ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ ኣሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ዝገበርኩምዎ ኹሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ።
19. በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኾርይዋ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ ኣሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ዝገበርኩምዎ ኹሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ።
20. ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቖጥዖ፡ ኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ።
21. ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎ ቀጥቂጠ ኸም ተጎጓ ኽሳዕ ዚኸውን ኣድኪመ ተሓንክዎ፡ ነቲ ተጎጓ ኸአ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ርባ ደርቤኽዎ።
22. ኣብ ታብዔራን ኣብ ምሳን ኣብ ቂብሮትሃታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣኾረኹምዎ።
23. እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝሀብኩምኹም ምድሪ ወረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስባርኔዓ ምስ ለአኽኩም ሽዑ ንትእዛዝ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኽምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን።
24. ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም።
25. እግዚኣብሄር፡ ከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ በተን ተደፍኤን ዝነበርኩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋኣኩ።
26. ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎ፡ በልክውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጎያታይ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ ብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ።
27. ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ንባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት።
28. እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገር፡ እግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ኬእትዎም ስለ ዘይከአለን ስለ ዝጸልኦምን ምእንቲ ኣብ በረኻ ኪቐትሎም ኣውጽኦም፡ ከይትብል፡
29. እዚኣቶምሲ ብዓብዩ ሓይልኻብን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻኣካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።

  Deuteronomy (9/34)