Deuteronomy (8/34)  

1. ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትአትውን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።
2. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ኹሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ኾንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኹሉ እንቲ ኽፈልጥ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ ዘክር።
3. ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኩሉ ነገር ደአ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር፡ ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ።
4. በዘን ኣርብዓ ዓመት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለይን፡ እግርኻውን ኣይሓበጠን።
5. ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ዝቐጽዓካ፡ ብልብኻ ፍለጥ።
6. እምበአር በመግዱ ንምኻድን ንኣኡ ንምፍራህን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ።
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡
8. ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡
9. እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ፡ ገለ እኳ ዘይጎድለካ ምድሪ፡ ኣእማና ሓጺን፡ ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትኹዕተላ ምድሪ።
10. ኽትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝህበካ፡ ከተመስግኖ ኢኻ።
11. ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
12. በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡
13. ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ኹሉ ድማ ምስ በዝሔ፡
14. ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት በርነት ዘውጽአካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡
15. በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎም፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዚፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡
16. ኣብ በረኻ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸአ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ።
17. ብልብኻ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ኹሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ።
18. ከምዚ ናይ ሎሚ ነዚ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።
19. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ረሳዕካ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸአ እንተ ሰዐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከአ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ ኣምስክረልኩም ኣሎኹ።
20. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።

  Deuteronomy (8/34)