Deuteronomy (7/34)  

1. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎጎካ፡ ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓአ ኻባኻ ዚዐብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት፡
2. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም።
3. ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸአ ንወድኻ ኣይትውሰድ።
4. ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ። ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸአ የጥፍኣካ።
5. ከምዚ ደአ ግበርዎም፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልታትቶምውን ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ፡ እተጸርበ ምስልታቶም ከአ ብሓዊ ኣንድዱ።
6. ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው ህዝብታት ፍለዮ፡ ህዝቡ ኽትኮኖ ሐረየካ።
7. እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኩሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ።
8. እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣድሓነካ።
9. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ንዝፈትውዎን ታዛዙ ንዚሕልውን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ፍለጥ።
10. ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዚጸልኦ ኣይድንጉን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደአ ይፍደዮ።
11. እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
12. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሓሎኻዮን ስለ ዝገብርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ምሕረትን ኪሕልወካ እዩ፡
13. ኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከአ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኪህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኽርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸካ እዩ።
14. ሓለፋ ኹሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰበኣይ ኮነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።
15. እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቆ ኣዩ፡ እቲ እትፈልጦ ኹሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኩሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም።
16. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ኹሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሓፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኮኑኻ ኣይተምልኮም።
17. ብልብኻ ድማ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጻኦም እኽእል፡ እንተ በልካ።
18. ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩላ ግብጽን ዝገብሮ፡
19. ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዩ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጻአካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኩሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኺገብሮም እዩ።
20. ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ዕኮት ኪሰደሎም እዩ።
21. እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ፡
22. ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ፡ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን።
23. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፡ ቦኣብዩ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍአ የሸብሮም።
24. ንነገስታቶም ከአ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ኪቃወም ዚኽእል ሰብ የልቦን።
25. እትወቕርረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣቦታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኮልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ።
26. ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ኸይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፋን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፡ ተሐሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን።

  Deuteronomy (7/34)