| ← Deuteronomy (7/34) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጎጎካ፡ ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓአ ኻባኻ ዚዐብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት፡ |
| 2. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። |
| 3. | ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸአ ንወድኻ ኣይትውሰድ። |
| 4. | ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ። ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸአ የጥፍኣካ። |
| 5. | ከምዚ ደአ ግበርዎም፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልታትቶምውን ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ፡ እተጸርበ ምስልታቶም ከአ ብሓዊ ኣንድዱ። |
| 6. | ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው ህዝብታት ፍለዮ፡ ህዝቡ ኽትኮኖ ሐረየካ። |
| 7. | እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኩሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ። |
| 8. | እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣድሓነካ። |
| 9. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ንዝፈትውዎን ታዛዙ ንዚሕልውን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ፍለጥ። |
| 10. | ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዚጸልኦ ኣይድንጉን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደአ ይፍደዮ። |
| 11. | እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ተጠንቀቕ። |
| 12. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሓሎኻዮን ስለ ዝገብርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ምሕረትን ኪሕልወካ እዩ፡ |
| 13. | ኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከአ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኪህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኽርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸካ እዩ። |
| 14. | ሓለፋ ኹሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰበኣይ ኮነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን። |
| 15. | እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቆ ኣዩ፡ እቲ እትፈልጦ ኹሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኩሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም። |
| 16. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ኹሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሓፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኮኑኻ ኣይተምልኮም። |
| 17. | ብልብኻ ድማ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጻኦም እኽእል፡ እንተ በልካ። |
| 18. | ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩላ ግብጽን ዝገብሮ፡ |
| 19. | ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዩ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጻአካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኩሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኺገብሮም እዩ። |
| 20. | ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ዕኮት ኪሰደሎም እዩ። |
| 21. | እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ፡ |
| 22. | ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ፡ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን። |
| 23. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፡ ቦኣብዩ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍአ የሸብሮም። |
| 24. | ንነገስታቶም ከአ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ኪቃወም ዚኽእል ሰብ የልቦን። |
| 25. | እትወቕርረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣቦታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኮልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ። |
| 26. | ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ኸይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፋን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፡ ተሐሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን። |
| ← Deuteronomy (7/34) → |