Deuteronomy (6/34)  

1. ኣቲ ኣብታ ኽትርስተይዋ እትሓልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ፡
2. ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሀሉ።
3. ስለዚ፡ ዎ እስራኣኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
4. ዎ እስራኣኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
5. ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻ ፍተዎ።
6. እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ይኹን።
7. ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።
8. ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን።
9. ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።
10. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን ንኣኻ ኺህበካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ ዘይሰራሕካየን ኦኣበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡
11. ዘይመላኣየን ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኮዐትካዮ ኹዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከአ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡
12. ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሓል።
13. እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ።
14. እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ።
15. እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ።
16. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንክምዎ፡ ኣይትፈትንዎ።
17. ትእዛዛት እግዚኣብሂር ኣምላኽኩም፡ ንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከአ ኣጽኒዕኩም ሐልው።
18. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር።
19. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር።
20. ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ኣንታይ እዩ፡ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡
21. ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከአ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።
22. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጎድእን ትእምርትን ተአምራትን ገበረ።
23. ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበና፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።
24. ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪኾነልና ኸምዚ ሎሚ ዘለናዮ ኸአ፡ ብህይወት ኼንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ኹሉ ትእዛዛት ክንገብሮ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና።
25. ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና ንኹሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይኹነልና።

  Deuteronomy (6/34)