← Deuteronomy (6/34) → |
1. | ኣቲ ኣብታ ኽትርስተይዋ እትሓልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ፡ |
2. | ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሀሉ። |
3. | ስለዚ፡ ዎ እስራኣኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ። |
4. | ዎ እስራኣኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። |
5. | ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻ ፍተዎ። |
6. | እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ይኹን። |
7. | ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። |
8. | ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። |
9. | ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ። |
10. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን ንኣኻ ኺህበካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ ዘይሰራሕካየን ኦኣበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ |
11. | ዘይመላኣየን ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኮዐትካዮ ኹዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከአ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ |
12. | ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሓል። |
13. | እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። |
14. | እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። |
15. | እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። |
16. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንክምዎ፡ ኣይትፈትንዎ። |
17. | ትእዛዛት እግዚኣብሂር ኣምላኽኩም፡ ንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከአ ኣጽኒዕኩም ሐልው። |
18. | ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር። |
19. | ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንኹሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽቕቲ ምድሪ ኸኣአ ኽትአቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር። |
20. | ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ኣንታይ እዩ፡ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡ |
21. | ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከአ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። |
22. | እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጎድእን ትእምርትን ተአምራትን ገበረ። |
23. | ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበና፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። |
24. | ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪኾነልና ኸምዚ ሎሚ ዘለናዮ ኸአ፡ ብህይወት ኼንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ኹሉ ትእዛዛት ክንገብሮ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና። |
25. | ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና ንኹሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይኹነልና። |
← Deuteronomy (6/34) → |