Deuteronomy (5/34)  

1. ሙሴ ድማ ንኹሎም እስራኤል ጸዊዑ፡ በሎም ዎ፡ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተመሀርዎን ሓለውን ግበርዎን ከአ።
2. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን ኣተው።
3. እግዚኣብሄር እዚ ኽዳን እዚ፡ ንሕና ኹልና ኣብዚ ሎሚ ብህይወት ምስ ዘሎና፡ ምሳና እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይአተዎን።።
4. እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረብኩም።
5. ሽዑ ሓዊ ፈሪህኩም ናብቲ ኸረን ኣይደየብኩምን እሞ በታ ጊዜ እቲኣ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፡ ኣነ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኹምን ቆምኩ። ንሱ በለ፡
6. ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
7. ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልውኻ።
8. ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘለው እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር፡
9. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም።
10. ንዚፈትወኒ፡ ትእዛዛተይ ንዚሕልው ኸአ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ።
11. እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ነጻ ኣይሓድጎን እየ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
12. ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘአዘዝካ፡ ክትቅድሳ ሓልዋ።
13. ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ኩሉ ተግባርካ ግበር።
14. እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኺኦአርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኩሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝኾነ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
15. ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸአ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽአካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰነብት ክትሕሉ ኣዘዘካ።
16. ኣብታ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
17. ኣይትቕተል።
18. ኣይትዘሙ።
19. ኣይትስረቕ።
20. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
21. ሰበይቲ ብጻይካ ኣይትመነ። ቤት ብጻይካ፡ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ኹሉ ኣይትመነ።
22. እዘን ቃላት እዚኤን እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓውን ደበናን ጥቃን ዓው ኢሉ፡ ንብዘላ ማሕበርኩም ተዛረበ፡ ካልእ ኣይወሰኽን። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጽሒፉ ኸአ ንኣይ ሀበኒ።
23. ኮነ ኸአ፡ ኩሉ እቲ ኸረን ኪነድድ ከል፡ ካብቲ ጸልማት ቃል ምስ ሰማዕኩም፡ ኩላቶም ሓላቑ ነገዳትኩምን ሽማግሌታትኩምን ናብይ ቀረብኩም፡
24. በልኩም ድማ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርአየና፡ ድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕና፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪዛረብ፡ ንሱ ኸኣአ ብህይወት ኒነብር ሎሚ ራኤና።
25. ሕጂ ድማ ስለምንታይ እንመውት፡ እዚ ዓብዩ ሓዊ ኺበልዓና እዩ እሞ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰማዕና፡ ክንመውት ኢና።
26. ካብ ኩሉ ስጋኻ ኸማና ድምጺ ሃይው ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ።
27. ንስኻ ደአ ቕረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ኹሉ ድማ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ኹሉውን ንስኻ ንገረና፡ ንሕና ኸንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።
28. ክትዛረቡኒ ኸሎኹም ድማ፡ እግዚኣብሄር ቃል ዘረባኹም ሰምዔ፡ እግዚኣብሄር ከአ በለኒ፡ ቃል ዘረባ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ እተዛረቡኻ ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ እትዛረብዎ ኹሉ ጽቡቕ እዩ፡
29. እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለአለም ምእንቲ ኺጽብቐልኩም፡ ኪፈርሁንን ኩሉ ትእዛዛተይ ኪሕልውን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።
30. ኪዱ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ በሎም።
31. ንስኻ ግና ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኺገብርዎ፡ እቲ እትምህሮም ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተትይን ክነግረካ፡ ኣብዚ ምሳይ ደው በል።
32. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይትዝበሉ።
33. ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኩላ ምገዲ ኺዱ።

  Deuteronomy (5/34)