Deuteronomy (4/34)  

1. ሕጂ ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚሀበኩም ድሪ ኽትአትውን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋት ፍርድታትን ስማዕ።
2. ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸአ ኣይትነክዩ።
3. እግዚኣብሄር ብናይ በዓልጴዖር ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል ጴዖር ዝስዐቡ ኹሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸም ዘጥፍኦም፡ ኣዒንትኹም ርእየን።
4. ንስኻትኩም ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተጸጋዕኩም፡ ኩልኻትኩም ሎሚ ብህይወትኩም ኣሎኹም።
5. እንሆ ኣብታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ እትኣትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝአዘዘኒ ሓጋጋትን ፍርድታትን መሀርኩኹም።
6. ንስኻትኩም ከአ፡ እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ፡ ስለዚ ሓልውወን ግበርወን ድማ። ንኹሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖም፡ እዚ ኦኣብዩ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ፡ ኪብሉ እዮም።
7. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ፡ ኣየናይ ዓብዩ ህዝቢ እዩ፡
8. ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘለኹ ኹሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ ኹሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዩ ህዝቢ እዩ፡
9. ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረአዮ ነገር ከይትርስዖ ፡ ብኹሉ መዕልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደአ ኸተፍልጦም፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሓሉ።
10. እታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝቖምካላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ከአ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩላን ኩለን መዓልትታት ምፍራሄይ ኪመሀሩ፡ ንደቆም ድማ ኪምህሩስ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11. ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከአ ደው በልኩም። እቲ ኸረን ከአ ደው በልኩም። እቲ ኸረንውን ክሳዕ ማእከል ሰማይ ሓዊ ይነድድ ነበረ፡ ጸልማትን ደበናን ጣቓን ድማ ነበሮ።
12. እግዚኣብሄር ከአ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፡ ድምጺ ዘረባኡ ሰማዕኩም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡ መልክዕሲ ከቶ ኣይርኤኹምን።
13. እቲ ኽትገብርዎ ዝአዘዘኩም ኪዳኑ፡ ዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩም። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸአ ጸሐፎ።
14. እግዚኣብሄር በታ ጊዜ እቲአ ድማ ንኣይ ኣብታ ኽትወርስዋ እትሓልፍዋ ምድሪ ኽትገብርዎ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ።
15. በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኽዛረብኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሓልው።
16. ብዝኾነ ምስሊ፡ ብመልክዕ ሰባኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እትወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከየበላሽው፡
17. ኣብ ልዕሊ ምስሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ኹሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡
18. ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ኹሉ ዓሳ ኸአ፡
19. ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኩሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕሊ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለው ኹሎም ህዝብታት ዝመቐሎም ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሓሎ።
20. ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹዎም፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኮንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ ኣውጺእኩም እዩ።
21. እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቖጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸአ ከይትአቱ መሓለ።
22. ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም።
23. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚበላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩ ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
24. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚበላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩ ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
25. ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸአ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፡ ናይ ዝኾነ ገለ መልክዕ ዝለዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸው፡ ምእንቲ ኸተኾርይዎ ኸአ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፡
26. ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምስሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱ፡ ኣነ ሎሚ ሰማይን ምድርን ኤመስክረልኩም ኣሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፡ ነዊሕ መዓልቲ ኣይትነብርዋን ኢኹም።
27. እግዚኣብሄር ናብ ማእከል ህዝብታት ኪብትነኩም እዩ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝወሰደኩም ኣህዛብ ሒደት ቁጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም።
28. ኣብኡ ነቶም ባኢድ ሰብ እተገብሩ ዘይርእዩ፡ ዘይሰምዑ፡ ዘይበልዑ፡ ዘየጨንቅ ኣማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም።
29. ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣንተ ደሌኻዮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ።
30. ምስ ጸበበካ፡ እዚ ኹሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸአ ክትሰምዕ ኢኻ።
31. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን እየጥፍአካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሓሎ ኺዳን ኣይርስዖን።
32. ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዩ ነገር ኮይኑ እንተ ኾነ፡ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቀዳሞት ዘበናት ጠይቕ።
33. ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ቃሉ ዝሰምዔ፡ ብህይወት ከአ ዚነብር ህዝቢዶ ኣሎ፡
34. ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዐዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዩ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፡
35. እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራኣየካ።
36. ምእንቲ ኽምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ።
37. ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፡ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ፡ ባዕሉ ኸአ ብዓብዩ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ።
38. ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ፡ ናብኣ ምእንቲ ኼእትወካ፡ ከምዚ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐዮን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጎጎም።
39. እምበአር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ኸአ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ካልእ ከም ዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብካውን ሕሰቦ።
40. ንኣኻን ብድሕሬኻን ድማ ንደቅኻን ኪጽብቐልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሓዋሩ ዚህበካ ምድሪ ኸአ መዓልትታትካ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ሐሉ።
41. ሽዑ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ስለስተ ኸተማ ፈለየ።
42. ቅድም ጽልኢ ዘይነበሮ ብዘይ ፍልጠት ብጻዩ ዝቐተለ ቐታሊ ዘህድመለን፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ሀዲሙ ምእንቲ ብህይወት ኪነብር እዚ ገበረ።
43. ንደቂ ሮቤል ቤጾር ኣብ በረኻ ኣብ ጎልጎል፡ ንደቂ ጋድ ከአ ራሞት ናይ ጊልኣድ፡ ንደቂ ምናሴ ድማ ጎላን ኣብ ባሳን።
44. ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኣኤል ዘነብሮ ሕጊ እዚ እዩ።
45. ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ንሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕጋጋትንን ፍርድታትን እዚ እዩ።
46. ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ርባ፡ ኣብ መንጽር ቤትጴዖር፡ ኣብ ምድሪ ሲሆን፡ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፡ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝወቕዕዎ፡
47. ምድሩን ምድሪ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ናይ ክልቲኣኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብምብራቕ ጸሓይ ዝነበረ፡ ሐዙ።
48. ካባታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳዕ ከረን ሲዮን፡ ንሱ ኸአ ሄርሞን፡
49. ኩሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ጎልጎል፡ ክስዕ እቲ ኣብ ስግሪ ጎቦታት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ጎልጎል ድማ ሐዙ።

  Deuteronomy (4/34)