← Deuteronomy (33/34) → |
1. | ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኣኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ። |
2. | በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፡ ካብ ሲዒር ድማ ተላዕለሎም፡ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፡ ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፡ ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም። |
3. | እወ፡ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፡ ኩሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፡ ኣብ እግርኻ ይቕመጡ፡ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ። |
4. | ሙሴ ኸአ ሕጊ፡ ርስቲ ማሕበር ያእቆም አዘዘና፡ |
5. | ሓላቑ ህዝቢ፡ ነገዳት እስራኤል ኩሎም ብሓደ ምስ ተአከቡ፡ ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ። |
6. | ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡ ሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ። |
7. | ይሁዳ ኸኣአ እዚ እዩ፡ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃሉ ይሁዳ ስማዕ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ ኣእተዎ፡ ኣእዳው ይጽንዓሉ፡ ካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኾኖ። |
8. | ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለ፡ ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፡ ነቶም ኣብ ማሳ ዝፍተንካዮም፡ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተኸራኸርካዮም፡ |
9. | ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ኣይርኤኽዎምን፡ ዝበለ ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፡ ንደቁ ኸአ ኣይፈለጦምን ቃልካ ሐልዮም እዮም እሞ፡ ኪዳንካ ኣጽንዑ። |
10. | ንያእቆብ ፍርድታትካ፡ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኺምህሩ፡ ዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲውን ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡ ኣዮም። |
11. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ሓይሉ ባርኽ፡ ግብሪ ኢዱ ኸአ ተቐበል። መሊሶም አይትንስኡስ፡ ሕቖ እቶም ዚጸልእዎ መጻርርቱ ስበር። |
12. | ብዛዕባ ብንያም በለ፡ ፍቑር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ኪነብር እዩ፡ ምሉእ መዓልቲ የጽልሎ፡ ኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሐድር። |
13. | ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለ፡ ምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፡ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቕ፡ |
14. | በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፡ በቲ በዋርሕ ዚበቑል ክቡር ነገር ከአ። |
15. | በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሔሸ ነገር፡ በቲ ናይ ዘለኣለም ኩርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፡ |
16. | በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፡ በቲ ኣብ ኣሻኹ ቋጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፡ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ። |
17. | ግርማ እቲ በኹሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፡ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፡ ብእኡ ገይሩ ንኹሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፡ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም። |
18. | ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ። ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ። ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ። |
19. | ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሓብኤ መዝገብን ኪጠብው እዮም ኣሞ፡ ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዑ፡ ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኬቕርቡ እዮም። |
20. | ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ። እቲ ንጋድ ዝግፍሔ ብሩኽ ይኹን። ከም ኣንስታይቲ ኣንበሳ ይስፈር። ቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር፡ |
21. | ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዐቑሩ ነበረ እሞ፡ እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሐረየ፡ ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸ፡ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኽአ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ። |
22. | ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፡ ዳን ካብ ባሳን ዚዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ። |
23. | ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፡ ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፡ ጽጉብ ጸጋ እዩ፡ ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ። |
24. | ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፡ ኣሴር በወዳት ብሩኽ፡ ብሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን። ኣእጋሩ ኸአ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ። |
25. | መሸጎሪኻ ሓጺንን ኣስራዝን፡ ሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን። |
26. | ዎ ይሹሩን፡ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሔ ኣምላኽ ዝመስሎ የልቦን። |
27. | እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መነብሪኻ እዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ አለዋ፡ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜኻ ስጎጎ፡ ኣጥፍእ፡ ድማ በለ። |
28. | እስራኤል ብህድኣት ይነብር፡ እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፡ ስማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ። |
29. | ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማኻ፡ ዋልታ ሓገዝካ፡ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ ጸላእትኻ ኺግዝኡ እዮም፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ። |
← Deuteronomy (33/34) → |