Deuteronomy (33/34)  

1. ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኣኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ።
2. በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፡ ካብ ሲዒር ድማ ተላዕለሎም፡ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፡ ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፡ ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም።
3. እወ፡ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፡ ኩሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፡ ኣብ እግርኻ ይቕመጡ፡ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ።
4. ሙሴ ኸአ ሕጊ፡ ርስቲ ማሕበር ያእቆም አዘዘና፡
5. ሓላቑ ህዝቢ፡ ነገዳት እስራኤል ኩሎም ብሓደ ምስ ተአከቡ፡ ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ።
6. ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡ ሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ።
7. ይሁዳ ኸኣአ እዚ እዩ፡ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃሉ ይሁዳ ስማዕ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ ኣእተዎ፡ ኣእዳው ይጽንዓሉ፡ ካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኾኖ።
8. ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለ፡ ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፡ ነቶም ኣብ ማሳ ዝፍተንካዮም፡ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተኸራኸርካዮም፡
9. ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ኣይርኤኽዎምን፡ ዝበለ ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፡ ንደቁ ኸአ ኣይፈለጦምን ቃልካ ሐልዮም እዮም እሞ፡ ኪዳንካ ኣጽንዑ።
10. ንያእቆብ ፍርድታትካ፡ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኺምህሩ፡ ዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲውን ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡ ኣዮም።
11. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሓይሉ ባርኽ፡ ግብሪ ኢዱ ኸአ ተቐበል። መሊሶም አይትንስኡስ፡ ሕቖ እቶም ዚጸልእዎ መጻርርቱ ስበር።
12. ብዛዕባ ብንያም በለ፡ ፍቑር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ኪነብር እዩ፡ ምሉእ መዓልቲ የጽልሎ፡ ኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሐድር።
13. ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለ፡ ምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፡ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቕ፡
14. በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፡ በቲ በዋርሕ ዚበቑል ክቡር ነገር ከአ።
15. በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሔሸ ነገር፡ በቲ ናይ ዘለኣለም ኩርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፡
16. በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፡ በቲ ኣብ ኣሻኹ ቋጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፡ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ።
17. ግርማ እቲ በኹሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፡ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፡ ብእኡ ገይሩ ንኹሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፡ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።
18. ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ። ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ። ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ።
19. ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሓብኤ መዝገብን ኪጠብው እዮም ኣሞ፡ ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዑ፡ ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኬቕርቡ እዮም።
20. ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ። እቲ ንጋድ ዝግፍሔ ብሩኽ ይኹን። ከም ኣንስታይቲ ኣንበሳ ይስፈር። ቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር፡
21. ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዐቑሩ ነበረ እሞ፡ እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሐረየ፡ ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸ፡ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኽአ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ።
22. ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፡ ዳን ካብ ባሳን ዚዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።
23. ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፡ ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፡ ጽጉብ ጸጋ እዩ፡ ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ።
24. ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፡ ኣሴር በወዳት ብሩኽ፡ ብሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን። ኣእጋሩ ኸአ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ።
25. መሸጎሪኻ ሓጺንን ኣስራዝን፡ ሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን።
26. ዎ ይሹሩን፡ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሔ ኣምላኽ ዝመስሎ የልቦን።
27. እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መነብሪኻ እዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ አለዋ፡ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜኻ ስጎጎ፡ ኣጥፍእ፡ ድማ በለ።
28. እስራኤል ብህድኣት ይነብር፡ እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፡ ስማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
29. ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማኻ፡ ዋልታ ሓገዝካ፡ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ ጸላእትኻ ኺግዝኡ እዮም፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ።

  Deuteronomy (33/34)