← Deuteronomy (32/34) → |
1. | ክዛረብ እየ እሞ ሰማያት ጽን በሉ፡ ምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ። |
2. | ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ ዘረባይ ከአ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ፡ ከም ጥቕሚ ኣብ ልዕሊ ለምለም፡ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ፡ |
3. | ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፡ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ። |
4. | ኩሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ። |
5. | ንሳቶም ተበላሸውዎ፡ ደቁ ኣይኮነን፡ ነውራኣት እዮም። ሓረመኛን ቄናን ወለዶ እዮም። |
6. | ኣታ ዓሻን ዘየለባምን ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፡ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኮነን። ዝገብረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ። |
7. | እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፡ ዐመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፡ ነቦኻ ጠይቆ፡ ንሱ ኸአ ኬግህደልካ እዩ፡ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም። |
8. | እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረተዮም፡ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፡ ከም ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ። |
9. | ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፡ ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ። |
10. | ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህየሉ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ፡ ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ። |
11. | ብሰሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር፡ ኣብ ልዕሊኦም ከአ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ከነቲቱ ኸአ ጾሮ። |
12. | እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፡ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረ። |
13. | ኣወጢሑ ብበረኸት ምድሪ ኣሕለፎ፡ እቶም ግራሁ በልዔ፡ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፡ ካብ ተሪር ከውሒ ኸአ ዘይቲ። |
14. | ጠስሚ ላምን ጸባን በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን ደዓውልን ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፡ ካብ ደም ኣስካል ከአ ወይኒ ሰቴኻ። |
15. | ይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔ፡ ሰባሕካ፡ ረጎድካ፡ ከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሓደጎ፡ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ። |
16. | ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፡ ብጽያፍ ኣናደድዎ። |
17. | ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፡ ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፡ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፡ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ። |
18. | ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ። |
19. | ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘኾረይዎ፡ እግዚኣብሄር ከአ ርእዩ ደርበዮም። |
20. | በለ ድማ፡ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶ፡ እምነት ዜብሎም ደቂ እዮም ኣሞ፡ ገጸይ ክሓብኣሎም እየ፡ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ። |
21. | ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፡ ብኹንትነቶም ኣኾረዩኒ። ኣነ ኸአ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፡ ብዓሻ ህዝቢ ከኾርሮም እየ። |
22. | ብኹራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድ፡ ንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓ፡ መሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር፡ |
23. | ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም አእክብ፡ ፍላጻይ እውርውረሎም። |
24. | ብጥሜት ይምህምኑ፡ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ። ኣስናን ኣራዊት ምስ ሕንዚ ለመምታ ኽሰደሎም እየ። |
25. | ሴፍ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃት፡ ንጎበዝን ንቖንጆን ንዚጠቡ ምስ ሸያብ ኪውድኦም እዩ። |
26. | ምበልኩ፡ ፋሕ ከብሎም፡ መዘከርታኦም ካብ ማኣከል ሰብ ክጥርስ። |
27. | ግናኸ ምቁንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፡ እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፡ ነዚ ኹሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደአ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገብሮ፡ ከይብሉ። |
28. | ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፡ ምስትውዓል ከአ የብሎምን። |
29. | ነዚ ኼስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፡ ለባማት ደአ እንተ ዚኾኑ። |
30. | እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡ ከመይ ገይሩ ደአ ሓዳስ ንሽሕ ይሰጎም፡ ክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም፡ |
31. | እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኮነን እሞ፡ ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዩ፡ |
32. | ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡ ካብ ግራት ጎሞራ ኸአ እዩ እሞ፡ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፡ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ። |
33. | ወይኖም ሕንዚ ገበል፡ ዝበርትዔ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከአ እዩ። |
34. | እዚ ኣባይ ተአርኒቡ፡ ኣብ መዝገበይ ከአ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን፡ |
35. | መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀሪባ፡ እቲ እተዳለወሎም ከአ ቀልጢፉ ኸመጽእ እዩ እሞ፡ በታ ኣእጋሮም ዚሰናኸለላ ጊዜ፡ ምፍፋይ ሕነን ምኽሓስን ናትይ እዩ። |
36. | ሓይሎም ከአ እተወድኤ፡ እተዐጽወን እተሓድገን ከም ዜልቦ ድማ ምስ ረአየ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺብይን እዩ እሞ፡ ንባሮቱ ኸአ ኪርሕርሓሎም እዩ። |
37. | ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም። |
38. | ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም። |
39. | ኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፡ ሕጂ ርአዩ። ኣነ እቐትል ህያው ከአ እገብር፡ ኣነ ኤቑስል እፍውስ ድማ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከአ የልቦን። |
40. | ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ ኣነ ንዘለኣለም ህይው እየ፡ እብል። |
41. | ኣነ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሓልኩ፡ ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፡ ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፡ |
42. | ካብ ደም ቅቱላት ምሩኻትን ንፍላጻታተይ ብደም ክስክሮ እየ። ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢ፡ ስጋ ኺውሕን እዩ። |
43. | ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፡ ንመጻርርቱ ሕነ ኺፈዲ፡ ንምድሩ፡ ንህዝቡ ኺዕረቕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ምስ ህዝቡ ተሓጎሱ። |
44. | ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ኔዌ፡ መጺኡ ኣብ እዝኑ እቲ ህዝቢ ኹሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ። |
45. | ሙሴ ኸአ ኹሉ እዚ ነገር እዚ ንኹሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድኤ፡ |
46. | በሎም ድማ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘለኹ ኹሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም፡ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ |
47. | እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እበር፡ ከንቱ ነገር ኣይኮነን፡ ኣብታ ንስኻትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እተሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ። |
48. | እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
49. | ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ናብ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፡ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኣኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ። |
50. | ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ እተአከበ፡ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙት፡ ናብ ህዝብኻውን ተአከብ። |
51. | እዚ ኣብ ማይ መሪባ፡ ኣብ ቅቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዐመጽኩምኒ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከአ ስለ ዘይቀደኩምኒ እዩ። |
52. | ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ። |
← Deuteronomy (32/34) → |