Deuteronomy (32/34)  

1. ክዛረብ እየ እሞ ሰማያት ጽን በሉ፡ ምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ።
2. ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ ዘረባይ ከአ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ፡ ከም ጥቕሚ ኣብ ልዕሊ ለምለም፡ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ፡
3. ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፡ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ።
4. ኩሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።
5. ንሳቶም ተበላሸውዎ፡ ደቁ ኣይኮነን፡ ነውራኣት እዮም። ሓረመኛን ቄናን ወለዶ እዮም።
6. ኣታ ዓሻን ዘየለባምን ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፡ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኮነን። ዝገብረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ።
7. እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፡ ዐመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፡ ነቦኻ ጠይቆ፡ ንሱ ኸአ ኬግህደልካ እዩ፡ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም።
8. እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረተዮም፡ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፡ ከም ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ።
9. ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፡ ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ።
10. ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህየሉ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ፡ ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ።
11. ብሰሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር፡ ኣብ ልዕሊኦም ከአ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ከነቲቱ ኸአ ጾሮ።
12. እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፡ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረ።
13. ኣወጢሑ ብበረኸት ምድሪ ኣሕለፎ፡ እቶም ግራሁ በልዔ፡ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፡ ካብ ተሪር ከውሒ ኸአ ዘይቲ።
14. ጠስሚ ላምን ጸባን በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን ደዓውልን ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፡ ካብ ደም ኣስካል ከአ ወይኒ ሰቴኻ።
15. ይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔ፡ ሰባሕካ፡ ረጎድካ፡ ከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሓደጎ፡ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ።
16. ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፡ ብጽያፍ ኣናደድዎ።
17. ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፡ ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፡ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፡ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።
18. ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ።
19. ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘኾረይዎ፡ እግዚኣብሄር ከአ ርእዩ ደርበዮም።
20. በለ ድማ፡ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶ፡ እምነት ዜብሎም ደቂ እዮም ኣሞ፡ ገጸይ ክሓብኣሎም እየ፡ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።
21. ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፡ ብኹንትነቶም ኣኾረዩኒ። ኣነ ኸአ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፡ ብዓሻ ህዝቢ ከኾርሮም እየ።
22. ብኹራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድ፡ ንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓ፡ መሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር፡
23. ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም አእክብ፡ ፍላጻይ እውርውረሎም።
24. ብጥሜት ይምህምኑ፡ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ። ኣስናን ኣራዊት ምስ ሕንዚ ለመምታ ኽሰደሎም እየ።
25. ሴፍ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃት፡ ንጎበዝን ንቖንጆን ንዚጠቡ ምስ ሸያብ ኪውድኦም እዩ።
26. ምበልኩ፡ ፋሕ ከብሎም፡ መዘከርታኦም ካብ ማኣከል ሰብ ክጥርስ።
27. ግናኸ ምቁንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፡ እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፡ ነዚ ኹሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደአ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገብሮ፡ ከይብሉ።
28. ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፡ ምስትውዓል ከአ የብሎምን።
29. ነዚ ኼስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፡ ለባማት ደአ እንተ ዚኾኑ።
30. እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡ ከመይ ገይሩ ደአ ሓዳስ ንሽሕ ይሰጎም፡ ክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም፡
31. እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኮነን እሞ፡ ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዩ፡
32. ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡ ካብ ግራት ጎሞራ ኸአ እዩ እሞ፡ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፡ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ።
33. ወይኖም ሕንዚ ገበል፡ ዝበርትዔ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከአ እዩ።
34. እዚ ኣባይ ተአርኒቡ፡ ኣብ መዝገበይ ከአ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን፡
35. መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀሪባ፡ እቲ እተዳለወሎም ከአ ቀልጢፉ ኸመጽእ እዩ እሞ፡ በታ ኣእጋሮም ዚሰናኸለላ ጊዜ፡ ምፍፋይ ሕነን ምኽሓስን ናትይ እዩ።
36. ሓይሎም ከአ እተወድኤ፡ እተዐጽወን እተሓድገን ከም ዜልቦ ድማ ምስ ረአየ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺብይን እዩ እሞ፡ ንባሮቱ ኸአ ኪርሕርሓሎም እዩ።
37. ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም።
38. ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፡ እቶም ዝብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከአ ዝሰተዩ ኣበይ አለው፡ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡ መጸግዒውን ይኹኑኹም።
39. ኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፡ ሕጂ ርአዩ። ኣነ እቐትል ህያው ከአ እገብር፡ ኣነ ኤቑስል እፍውስ ድማ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከአ የልቦን።
40. ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ ኣነ ንዘለኣለም ህይው እየ፡ እብል።
41. ኣነ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሓልኩ፡ ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፡ ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፡
42. ካብ ደም ቅቱላት ምሩኻትን ንፍላጻታተይ ብደም ክስክሮ እየ። ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢ፡ ስጋ ኺውሕን እዩ።
43. ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፡ ንመጻርርቱ ሕነ ኺፈዲ፡ ንምድሩ፡ ንህዝቡ ኺዕረቕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ምስ ህዝቡ ተሓጎሱ።
44. ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ኔዌ፡ መጺኡ ኣብ እዝኑ እቲ ህዝቢ ኹሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።
45. ሙሴ ኸአ ኹሉ እዚ ነገር እዚ ንኹሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድኤ፡
46. በሎም ድማ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘለኹ ኹሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም፡ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ
47. እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እበር፡ ከንቱ ነገር ኣይኮነን፡ ኣብታ ንስኻትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እተሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ።
48. እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
49. ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ናብ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፡ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኣኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ።
50. ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸአ እተአከበ፡ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙት፡ ናብ ህዝብኻውን ተአከብ።
51. እዚ ኣብ ማይ መሪባ፡ ኣብ ቅቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዐመጽኩምኒ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከአ ስለ ዘይቀደኩምኒ እዩ።
52. ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ።

  Deuteronomy (32/34)