Deuteronomy (30/34)  

1. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ኹሉ ነገር ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ኹሎም ህዝብታት ዃንካ ከአ፡ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እንተ ሐሰብካዮ፡
2. ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ፡ ንስኻን ደቅኻን ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ተመለስካ፡ ቃሉ ድማ እንተ ሰማዕካ፡
3. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስ፡ ይድንግጸልካ ኸአ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዘነብረ ኹሎም ህዝብታት ከአ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኸአ ክበካ እዩ።
4. እቶም ስጉጓትካ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ ካብኡ ኺእክበካ፡ ካብኡውን ኬምጽኣካ እዩ።
5. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ናብታ ኣቦታትካ ዝወርስዋ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፡ ንስኻ ኸአ ክትወርሳ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ኼጸብቐልካ፡ ካብ ኣቦታትካ ድማ ኬብዝሓካ እዩ።
6. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ምእንቲ ኸተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኪገዝር እዩ።
7. እዚ ኹሉ መርገም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኻካ ናብ ጸላእትኻን ናብቶም ዚጸልኡኻን ዚሰጉኻን ኪገብሮ እዩ።
8. ንስኻ ድማ ተመሊስካ ንቓል እግዚኣብሄር ትሰምዖ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱ ኸአ ትገብሮ።
9. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ እንተ ሓሎኻ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሓጎስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ብምግባር ኪሕጎስ እዩ ኣሞ፡ እግዚኣብሄር ብኹሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ።
10. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ እንተ ሓሎኻ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሓጎስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ብምግባር ኪሕጎስ እዩ ኣሞ፡ እግዚኣብሄር ብኹሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ።
11. እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባኻ ዝረሐቐን ኣይኮነን እሞ፡
12. ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸአ ዜስምዓና መን እዩ፡ ከይትብል፡ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን።
13. ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸአ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፡ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኮነን።
14. እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ፡
15. ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ።
16. ብህይወት ምእንቱ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸአ ክትከይድ፡ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ።
17. ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከአ እንተ ተስሓብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡
18. ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትአትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑን።
19. ህይወት ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።
20. ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኣታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።

  Deuteronomy (30/34)