Deuteronomy (3/34)  

1. ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ፡ ንጉስ ባሳን ድማ ምድ ኩሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኺዋግኣና ኢሉ ኺቃባበለና ወጸ።
2. እግዚኣብሄር ከአ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍራሀዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእእዩ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ።
3. ከምኡ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንኹሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሀበና፡ ሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ።
4. በታ ግዜ እቲኣ ኹላ ምድሪ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማ ኩለን ከተማታቱ ሒዝና ካባታቶም ዘይሓዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን።
5. ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዐርዳ ብዙሓት ከተማታት፡ ብነዊሕ መካበብያ እተዐርዳ። ብመዓጹን ብመሸጎርን ዝጸንዓ እየን።
6. ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋኣናዮም። ንኹለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።
7. ኩለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ።
8. እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ።
9. ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ።
10. ጎልጎል ዘለዋ ኹለን ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን።
11. ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኮነን፡ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸአ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
12. በታ ጊዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሀብክዎም።
13. ተረፍ ጊልኣድን ኩላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሀብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ኩላ ባሳን፡ ሃገር ረፋውያን ትበሀል።
14. ያኢር ወዲ ማናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካውያንን ዘላ ኹላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚሰመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎትያኢር ኣውጽኣለን።
15. ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሀብክዎ።
16. ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸአ ዶብ ደቂ ዓሞን፡
17. ድማ ጎልጎልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪረነት ክሳዕ ናይ ጎልጎል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ንምብራቕ ሀብክዎም።
18. በታ ጊዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዛዝክኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስትይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ሰብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ።
19. ኣንስትኹምን ቆልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኹም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሀብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።
20. እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኸትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስትይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሀብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ።
21. በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንእያሱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ፡ ኣዒንትኻ ርእየን ኣየን፡ ነተን ናብኤን እተሐልፍ ዘሎኻ ኹለን መንግስታት ከአ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺገብር እዩ፡
22. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ።
23. በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ፡
24. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ኪገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፡
25. ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ሊባኖስን፡ ክርኢ ኾታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ።
26. እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቖጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከአ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡
27. ነዚ ዮርዳኖስ ኣይተሳግሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደየብ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸአ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት።
28. እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሓልፍ፡ ንሱ ኸአ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኼረትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞ ኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን።
29. ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤትጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና።

  Deuteronomy (3/34)