Deuteronomy (29/34)  

1. እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ሆሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝአትዎ ኺዳን ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከአ ንሙሴ ምሳታቶም ኪእቱ ዝአዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።
2. ሙሴ ድማ ንብዘለው እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንኹሎም ንገላውን ንኹሉ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገብሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረአያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርታታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከአ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
3. ሙሴ ድማ ንብዘለው እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንኹሎም ንገላውን ንኹሉ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገብሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረአያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርታታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከአ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
4. ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ልቢ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከአ ንምስማዕ ኣይሀበኩምን።
5. ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ መራሕኩኹም ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ሳእኒ ድማ ኣእጋርካ ኣይበለየን።
6. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡስ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን ወይንን ብርቱዕ መስተን ከአ ኣይሰቴኹምን።
7. ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መጻእኩም ከአ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ዖግ ንጉስ ባሳንን ኪዋግኡና ኢሎም ኪቃባበሉና ወጹ፡ ንሕና ድማ ሰዐርናዮም።
8. ሃገሮም ከአ ሓዝና ንሮቤልን ንጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከአ ርስቲ ሀብናዮም።
9. እምበኣር እትገብርዎ ኹሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩምሲ፡ ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ሐልውዎን ግበርዎን።
10. ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም።
11. ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም።
12. ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም።
13. ከምቲ ዝበልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቖሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቑመካ፡ ንሱ ኸአ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኩሉኹም ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መዃንንትኹምን ኩሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቆልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትን ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም አሎኩም።
14. እዚ ኽዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቖይሞም ዘለዎን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለውን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኮንኩን ዘቖሞ ዘሎኹ።
15. እዚ ኽዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቖይሞም ዘለዎን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለውን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኮንኩን ዘቖሞ ዘሎኹ።
16. ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዝነበርናን በቶም ብማእከሎም ዝሐለፍኩም ህዝብታት ድማ ከም ዝሓለፍናን፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
17. እቲ ጽያፎምን እቲ እባይቶም ዝነበረ ናይ ዕጨይቲ እምንን ብሩርን ወርቅን ጣኦታቶምን ርኤኹም።
18. እምበኣርሲ ሰብኣይ ኮነ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ዓሌት ወይ ነገድ፡ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመልስ እሞ ከይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዜምልኽ ከይህልወኩም ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዜብቂል ሱር ከአ ከይርከበኩም።
19. ከይኸውን ድማ፡ ቃላት እዚ መርገም እዚ ሰሚዑስ፡ ብልቡ ነታ ነፍሱ ኸምዚ ኢሉ ዚባርኽ፡ ኣነስ ብትሪ ልበይ እንተ ኸድኩ ንጽምአተይ ድማ ስኽራን እንተ ወሰኽኩሉ፡ ሰላም ይኹነለይ።
20. እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን፡ ሽዑ ግና ኩራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደአ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ኣቲ ይተክኽ እቲ ኣብዚ መስሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ኹሉ መርገም ከአ ኣብ ልዕሊኢ ይነብር፡ እግዚኣብሄር ከአ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ እዩ።
21. እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኽሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኣኤል ናብ ክፉእ ኪፈልዮ እዩ።
22. ዳሕራይ ወለዶ፡ ብድሕሬኹም ዚትንስኡ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጹ ጓናን ከአ ናይ እዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምጽኣላ ሕማምን ምስ ዚርእዩ ክብሉ እዮም፡
23. ከምቲ እግዚኣብሄር ኮርዩን ነዲዱን ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንጽቦይምን ዝገምጠለን ምግምጣል፡ እታ ምድሪ ኹላ ኸይትዝራኣን ከይተፍርን ገለ ሳዕሪ ኸይተብቁልን ዲንን ጨውን ንዳድን ኮነት።
24. ኩሎም ህዝብታት ድማ ኪብሉ እዮም፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሀግር እዚኣ ከምዚ ዝገብራ፡ ስለምንታይከ እዚ ዓብዩ ኩራኡ ነደደ።
25. ይብሉ ኸአ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደጎ፡
26. ከይዶም ከአ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንዘይፈልጥዎምን ንዘይተዋህቦምን ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ።
27. ስለዚ እቲ ኣብዚ መጽሓግ እዚ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኬምጽኣላ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ነደደ።
28. እዎ፡ እግዚኣብሄር ብኹራን ብነድርን ብዓቡዩ ቑጥዓን ካብ ሃገሮም ምሕው ኣቢሉ ከምዚ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።
29. እቲ ስውር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።

  Deuteronomy (29/34)