Deuteronomy (28/34)  

1. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገብረካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ።
2. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ኹሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኸበካን እዩ።
3. ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን።
4. ፍረ ኽርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከአ ብሩኽ ይኸውን።
5. መሶብካን መልመሲኻን ብሩኽ ትኸውን።
6. ንስኻ ኣብ ምእታውካ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን።
7. ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይመጹኻ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ።
8. እግዚኣብሄር ኣብ ቖፎኻን ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርኸካ እዩ።
9. ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሓሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝብቢ ገይሩ ኬቑመካ እዩ።
10. ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኸአ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርኣዩ እሞ ይፈርሁኻ።
11. ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ዚህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርኻን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሐካ እዩ።
12. ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኩሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኽ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ ኪክፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ።
13. ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።
14. ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።
15. ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግባሩ ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ እዚ ኹሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።
16. ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኽውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን።
17. መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን።
18. ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣበጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን።
19. ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ ምውጻእካን ርጉም ትኸውን።
20. ንኣይ ሓዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ።
21. ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ።
22. እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጉኻ እዮም።
23. ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ኸአ ሓጺን ክትከውን እያ።
24. እግዚኣብሄር ዝናብ ምድርኻ ተጎጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ።
25. እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸአ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኩሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ።
26. ሬስታትካ ንኹሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከአ የልቦን።
27. እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምግሉንጭዋን ብዓበቕን በመበላይን ገይሩ ኸአ ኪወቕዓካ እዩ።
28. ኣግዚኣብሄር ብጽላለን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ።
29. ዕውር ብጸልማት ሃሰሰ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰሰ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን። ወርትግ ጥቑዕን ዝሙት ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸአ የልቦን።
30. ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒውን ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን።
31. ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ካብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለስን ከአ፡ ኣባጊዕካን ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸአ የልቦን።
32. ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናረኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን።
33. ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከአ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን።
34. ኣዒንትኻ ዚርኣያኦ ኹሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ።
35. እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕዓካ እዩ።
36. እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተምልኽ ኢኻ።
37. ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ኹሎም ህዝብታት ከአ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን።
38. ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ፡ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ።
39. ወይኒ ትተክል ትኹስኩሶ ኸአ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን ገለ እኳ ድማ ኣይትእከብን።
40. ኣብ ኩሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይኾነልካ፡ ግናኸ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን።
41. ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኮኑን።
42. ኩሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኩብኩብታ ኺወርሶ እዩ።
43. ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ።
44. ንሱ ኼልቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን።
45. እቲ ዝእዝዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኹሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጎካን ኬርክበካን እዩ።
46. ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪኾኑ እዮም።
47. ኩሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገልገልካዮ፡
48. ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደአልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኩሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸአ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ።
49. ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ።
50. ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጹ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ።
51. ክሳዕ እትጠፍእ ከአ፡ ፍረ ኽብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍአካ፡ ስርናይ ኮነ፡ ወይኒ ኾነ፡ ዘይቲ ኾነ፡ ምውላድ ላምካ ኾነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ኾነ ኣይገድፈልካን እዩ።
52. እቲ ንስኻ እትአምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኩሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብኹሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኩላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ።
53. በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ።
54. ኣባኻ እቲ ቑጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓውን ነታ ኣብ ሕቑፋ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም።
55. በቲ ጸላኢኻ ኺቢቡ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዝበልዖ ስጋ ውሉድ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡
56. ኣባኻ እታ ቑጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቕኣን ቑጽይንጽይ ብምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ብምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለይትን ሰበይቲ ኸአ ነቲ ኣብ ሕቑፋ ዘሎ ሰብኣይ ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም።
57. በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ኹሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለድቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ።
58. ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝኾነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከአ እንተ ዘይፈራህካ፡
59. እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ ዓብዩ እሞ ዚድንጉ መቕዘፍቲ ሕሱም እሞ ዚደንጉ ሕማም ክገብሮ እዩ።
60. ነቲ ዝፈራህካዮ ኹሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኽመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ።
61. ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ኹሉ ሕማምን ኩሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ።
62. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም። ብቑጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም።
63. ኪኸውን ከአ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩምን ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቆሱ ኢኹም።
64. እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኩሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎ ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ።
65. ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከአ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እርግኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን። ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመንት ነፍስን ኪህበካ እዩ።
66. ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከአ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን።
67. በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደአ፡ ክትብል፡ ምሸት ከአ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ።
68. በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኮኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም፡ ዚዕድግ ከአ የልቦን።

  Deuteronomy (28/34)