← Deuteronomy (27/34) → |
1. | ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ዝህቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልውዎ። |
2. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቖም እሞ፡ ብኖራ ለቕለቖ። |
3. | ምስ ተሳገርካ ኸአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽታኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ኹሉ ቓላት ጽሐፍ። |
4. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባይ ኣቖምዎ፡ ብኖራ ኸአ ለቕለቕዎ። |
5. | ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ። |
6. | ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ። |
7. | መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጎስ። |
8. | ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ። |
9. | ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንኹሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዃንካ ኢኻ። |
10. | እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ ግበር። |
11. | ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ |
12. | ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። |
13. | እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባይ ቆይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። |
14. | ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንኹሉ ሰብ እስራኤል ከአ ብዓብዩ ድምጺ ይበሉ። |
15. | ኣተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ ብእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሓቢኡ ኸአ ዜንብሮ፡ ሩም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ። |
16. | ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይብል። |
17. | ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። |
18. | ዕውር መገዲ ዜጋግዩ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። |
19. | ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን ይበል። |
20. | ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። |
21. | ምስ ዝኾነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። |
22. | ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቡኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። |
23. | ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን ይበል። |
24. | ንብጻዩ ብስውር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል። |
25. | ንፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል። |
26. | ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል። |
← Deuteronomy (27/34) → |