Deuteronomy (27/34)  

1. ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ዝህቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልውዎ።
2. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቖም እሞ፡ ብኖራ ለቕለቖ።
3. ምስ ተሳገርካ ኸአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽታኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ኹሉ ቓላት ጽሐፍ።
4. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባይ ኣቖምዎ፡ ብኖራ ኸአ ለቕለቕዎ።
5. ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ።
6. ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ።
7. መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጎስ።
8. ኩሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ።
9. ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንኹሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዃንካ ኢኻ።
10. እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከአ ግበር።
11. ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡
12. ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን።
13. እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባይ ቆይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን።
14. ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንኹሉ ሰብ እስራኤል ከአ ብዓብዩ ድምጺ ይበሉ።
15. ኣተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ ብእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሓቢኡ ኸአ ዜንብሮ፡ ሩም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ።
16. ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይብል።
17. ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል።
18. ዕውር መገዲ ዜጋግዩ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
19. ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኹሉ ህዝቢ ኸአ ኣሜን ይበል።
20. ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።
21. ምስ ዝኾነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል።
22. ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቡኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።
23. ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን ይበል።
24. ንብጻዩ ብስውር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።
25. ንፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ኸአ፡ ኣሜን፡ ይበል።
26. ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኩሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

  Deuteronomy (27/34)