| ← Deuteronomy (23/34) → |
| 1. | ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። |
| 2. | ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። |
| 3. | ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። |
| 4. | እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራምነሃራዩም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዕላም ኪሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደአ መለሰልካ። |
| 6. | ምሉእ ዕድሜኻ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ። |
| 7. | ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈትፍኖ። ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢኻ እሞ ኣይትፈንፍኖ። |
| 8. | ካብ ሳልሳይ ወለዶ እንተወልዱ ቖልዑኦም ናብ ማእሀብር እግዚኣብሄር ይእትው። |
| 9. | ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እተሰፍር፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ተጠንቀቕ። |
| 10. | ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎ፡ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ። |
| 11. | ይኸውን ድማ፡ ኣጋ ምሸት ማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከአ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ። |
| 12. | ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ። |
| 13. | ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንኮሻ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ክትኹዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ። |
| 14. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸአ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን። |
| 15. | ካብ ጎይትኡ ሀዲሙ ንእተማዕቖበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። |
| 16. | ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸአ። |
| 17. | ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን። |
| 18. | ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝኾነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ። |
| 19. | ሓረጣ ገንዘብ ኮነ፡ ሓረጣ እኽሊ ኾነ፡ ብዚሕረጥ ኩሉ ነገር ንሓውካ ኣይትሕርጥ። |
| 20. | ንጓና ደአ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ። |
| 21. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከኾነካ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። |
| 22. | እንተ ዘይተማጻባዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። |
| 23. | እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሓልዎን ግበሮን። |
| 24. | ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ አቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር። |
| 25. | ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ቢድካ ቕጸ፡ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ እይተእቱ። |
| ← Deuteronomy (23/34) → |