Deuteronomy (22/34)  

1. ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዑ ጠፊኦም እንተ ርኤኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶም እብመር፡ ካብ ኦም ኣይትተሓባእ።
2. እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዩ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ።
3. ንእእድጉ ኸምአ ግበር፡ ብኽዳኑ ኸአ ከምኡ ግበር፡ ብዝኾነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ክትሕባእ ኣይትኽእልን።
4. ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲኡ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ኾንካ ብምትንሳኡ ሓግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይተተሓባእ።
5. ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከአ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ።
6. ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቕሖ፡ ኣዲኦም ከአ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቍቛሖ፡ ሓቑፉ እንተ ጸንሓትስ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ።
7. ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸአ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም።
8. ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።
9. ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ፡
10. ብዕራይናድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕርስ።
11. ካብ ጸሩግን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሓዊሱ እተአልመ ዓለባ ኣይትከደን።
12. ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ።
13. ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸአ እንተ ጸልኣ፡
14. ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡
15. ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዎ።
16. ኣቦ እታ ጓል ከአ ነቶም ሰበይቲ ኽትከውን፡ ሀብክዎ ንሱ ኸአ ጸልኣ።
17. እንሆ ድማ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ዜንውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸአ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ።
18. ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን።
19. ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን።
20. እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኸባ፡
21. ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማእ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
22. ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኸበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
23. ኣብ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከአ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡
24. እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከአ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
25. ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት።
26. ነታ ጓል ግና ገለ እይትግበራ፡ እዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዝቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን።
27. ኣብ መሮር እዩ ዝረኸባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲ፡ ኣእውያ፡ ዜድሕና ግና ኣይነበረን።
28. ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸአ፡
29. እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ኣቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትኹን። ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን።
30. ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።

  Deuteronomy (22/34)