← Deuteronomy (22/34) → |
1. | ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዑ ጠፊኦም እንተ ርኤኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶም እብመር፡ ካብ ኦም ኣይትተሓባእ። |
2. | እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዩ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ። |
3. | ንእእድጉ ኸምአ ግበር፡ ብኽዳኑ ኸአ ከምኡ ግበር፡ ብዝኾነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ክትሕባእ ኣይትኽእልን። |
4. | ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲኡ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ኾንካ ብምትንሳኡ ሓግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይተተሓባእ። |
5. | ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከአ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፋን እዩ። |
6. | ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቕሖ፡ ኣዲኦም ከአ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቍቛሖ፡ ሓቑፉ እንተ ጸንሓትስ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ። |
7. | ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸአ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም። |
8. | ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ። |
9. | ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ፡ |
10. | ብዕራይናድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕርስ። |
11. | ካብ ጸሩግን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሓዊሱ እተአልመ ዓለባ ኣይትከደን። |
12. | ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ። |
13. | ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸአ እንተ ጸልኣ፡ |
14. | ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ |
15. | ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዎ። |
16. | ኣቦ እታ ጓል ከአ ነቶም ሰበይቲ ኽትከውን፡ ሀብክዎ ንሱ ኸአ ጸልኣ። |
17. | እንሆ ድማ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን ኢሉ ዜንውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸአ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ። |
18. | ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። |
19. | ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ኸአ ትኹን፡ ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። |
20. | እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኸባ፡ |
21. | ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማእ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። |
22. | ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኸበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። |
23. | ኣብ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከአ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ |
24. | እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከአ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። |
25. | ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት። |
26. | ነታ ጓል ግና ገለ እይትግበራ፡ እዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዝቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን። |
27. | ኣብ መሮር እዩ ዝረኸባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲ፡ ኣእውያ፡ ዜድሕና ግና ኣይነበረን። |
28. | ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸአ፡ |
29. | እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ኣቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትኹን። ብኹሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። |
30. | ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ። |
← Deuteronomy (22/34) → |