Deuteronomy (21/34)  

1. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኸበ፡ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ።
2. ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ።
3. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ዘይዐየየት ኣርዑት ዘይሰሐበት ኣርሒ ይውሰዱ።
4. እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ ይውርድዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ።
5. ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግልዎ ብስሙውን ኪባርኹ ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። ኩሉ ባእስን ኩሉ መፍጋእትን ከአ ከም ቃሎም ይቑም።
6. ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ኹሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዕ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሓጸቡ።
7. ይምለሱ ይበሉ ኸአ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍስሶን፡ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን።
8. ዎ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቑጸር። እቲ ደም ከአ ይስረየሎም።
9. ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ።
10. ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡
11. ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈተኻያ ሰበይትኻ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡
12. ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋ፡ ርእሳ ኸአ ትላጺ፡ ጽፍራውን ትቑረጽ።
13. ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳን ድማ ትደርብዮ፡ ኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከአ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእተዋ እሞ ሰበኣያ ትኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን።
14. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣ፡ ኣዋሪድካ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ።
15. ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኣ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸአ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በኹሪ ኸአ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ኾነ፡
16. ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንጸቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በኹሪ በሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በኹሪ ኺገብር ኣይኽእልን።
17. ንወዲ እታ ጽልእቲ ኻብ ኩሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በኹሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀምርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብኹርነት ንእኡ ይግብኦ።
18. ንሓደ ሰብ ሀልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡
19. ኣብኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡
20. ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከአ ይበልዎም።
21. ኩሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ ይሙት ከአ። ክፉእ ዝበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከአ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።
22. ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡
23. ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መኦኣልቲ ደአ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክስ።

  Deuteronomy (21/34)