| ← Deuteronomy (21/34) → |
| 1. | ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኸበ፡ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ። |
| 2. | ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ። |
| 3. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ዘይዐየየት ኣርዑት ዘይሰሐበት ኣርሒ ይውሰዱ። |
| 4. | እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ ይውርድዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ። |
| 5. | ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግልዎ ብስሙውን ኪባርኹ ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። ኩሉ ባእስን ኩሉ መፍጋእትን ከአ ከም ቃሎም ይቑም። |
| 6. | ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ኹሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዕ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሓጸቡ። |
| 7. | ይምለሱ ይበሉ ኸአ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍስሶን፡ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን። |
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቑጸር። እቲ ደም ከአ ይስረየሎም። |
| 9. | ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ። |
| 10. | ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡ |
| 11. | ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈተኻያ ሰበይትኻ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡ |
| 12. | ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋ፡ ርእሳ ኸአ ትላጺ፡ ጽፍራውን ትቑረጽ። |
| 13. | ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳን ድማ ትደርብዮ፡ ኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከአ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእተዋ እሞ ሰበኣያ ትኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን። |
| 14. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣ፡ ኣዋሪድካ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ። |
| 15. | ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኣ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸአ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በኹሪ ኸአ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ኾነ፡ |
| 16. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንጸቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በኹሪ በሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በኹሪ ኺገብር ኣይኽእልን። |
| 17. | ንወዲ እታ ጽልእቲ ኻብ ኩሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በኹሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀምርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብኹርነት ንእኡ ይግብኦ። |
| 18. | ንሓደ ሰብ ሀልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ |
| 19. | ኣብኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ |
| 20. | ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከአ ይበልዎም። |
| 21. | ኩሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ ይሙት ከአ። ክፉእ ዝበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከአ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ። |
| 22. | ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡ |
| 23. | ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መኦኣልቲ ደአ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክስ። |
| ← Deuteronomy (21/34) → |