Deuteronomy (20/34)  

1. ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤኻ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ ኣሞ፡ ኣይትፍርሃዮም።
2. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡
3. ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው።
4. ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው።
5. እቶም መዃንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ይዛረቡ፡ ሓድሽ ቤት ዝሰርሔ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፡ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ።
6. ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሓጎሰሉ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት፡ ካልእ ሰብ ድማ ከይትሕጎሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸአ ይምለስ።
7. ሰበይቲ እተሓጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳድ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ።
8. እቶም መኳንንቲ ኸአ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎም፡ ይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዚጀጁ መን ኣሎ፡ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ኸአ ከይሽበርሲ፡ ይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ።
9. ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቁ ሰራዊት ይሽሙ።
10. ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸውዓያ።
11. ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ኹሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ።
12. እትዋግኣካ ደኣ እምበር ዘይተዕረቐካ እንተ ኾነት፡ ሽዑ ኸበባ።
13. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካን ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ።
14. ኣንስትን ሕጻናትን ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ኹሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምርኮ ጸላእትኻ ኸአ ክትበልዕ ኢኻ።
15. ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኮና፡ ከምኡ ግበረለን።
16. ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተምታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ።
17. ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም።
18. ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም።
19. ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባ፡ ኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብኤን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቑረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፡
20. እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቁረጽ ድማ። እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፡ መኸበቢኣ ስርሓላ።

  Deuteronomy (20/34)