| ← Deuteronomy (20/34) → |
| 1. | ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤኻ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ ኣሞ፡ ኣይትፍርሃዮም። |
| 2. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡ |
| 3. | ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው። |
| 4. | ዎ እስራኤል ስማዕ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከአ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጀው። |
| 5. | እቶም መዃንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ይዛረቡ፡ ሓድሽ ቤት ዝሰርሔ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፡ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ። |
| 6. | ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሓጎሰሉ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት፡ ካልእ ሰብ ድማ ከይትሕጎሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸአ ይምለስ። |
| 7. | ሰበይቲ እተሓጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን ኣሎ፡ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳድ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ። |
| 8. | እቶም መኳንንቲ ኸአ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎም፡ ይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዚጀጁ መን ኣሎ፡ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ኸአ ከይሽበርሲ፡ ይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ። |
| 9. | ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቁ ሰራዊት ይሽሙ። |
| 10. | ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸውዓያ። |
| 11. | ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ኹሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ። |
| 12. | እትዋግኣካ ደኣ እምበር ዘይተዕረቐካ እንተ ኾነት፡ ሽዑ ኸበባ። |
| 13. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካን ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ። |
| 14. | ኣንስትን ሕጻናትን ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ኹሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምርኮ ጸላእትኻ ኸአ ክትበልዕ ኢኻ። |
| 15. | ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኮና፡ ከምኡ ግበረለን። |
| 16. | ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተምታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ። |
| 17. | ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም። |
| 18. | ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ኣምልኽቶም ዚገብርዎ ኹሉ ፍያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም። |
| 19. | ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባ፡ ኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብኤን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቑረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፡ |
| 20. | እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቁረጽ ድማ። እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፡ መኸበቢኣ ስርሓላ። |
| ← Deuteronomy (20/34) → |