Deuteronomy (15/34)  

1. ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር።
2. እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓውን ኣይድለዮ።
3. ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ።
4. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ።
5. ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቒቕካ ደአ ስምዓዮ እምበር፡
6. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን።
7. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ።
8. ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ እቲ ዝደልዮ ኸአ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ።
9. ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኽፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ኸአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዝርጋሕካሉ ኹሉን ኪባርኸካ እዩ።
10. ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ።
11. ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ።
12. ኣብራዊ ሓውካ ወይ እብራዊት ኣቦኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹዱሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ሕደጎ።
13. ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሓድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራይ ኣይትስደዶ።
14. ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቑ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ።
15. ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከም ዘድሓነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ ኣሎኹ።
16. ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን እንተ በለካ፡
17. ዝኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኩሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ።
18. ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓስባ ዕጽፊ ገይሩ ሽዱሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ኹሉ ኺባርኸካ እዩ።
19. ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኩሉ በኹሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበኹሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በኹሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቑረጽ።
20. ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኳንካ ብልዓዮ።
21. ገለ ጎደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝኾነ ኽፉእ እንታ ዝለዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ።
22. ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ።
23. ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደአ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።

  Deuteronomy (15/34)