| ← Deuteronomy (14/34) → |
| 1. | ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምውት፡ ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። |
| 2. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ። |
| 3. | ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ። |
| 4. | እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጠልን፡ |
| 5. | እራብን ሰስሓን ዓጋዜንን ድንኩላን ዝዖታን ሜዳቑን ቶራን። |
| 6. | ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸኾናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጉስዕ ዚመልስ ኩሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ። |
| 7. | መጉስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸኾናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጉስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸኾናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርኹሳት ይኹናኹም፡ |
| 8. | ሐሰማ ንሳ ሸኾናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጉስዕን እያ ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። |
| 9. | ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ኹሉ እትበልዖ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ኹሉ ብልዑ። |
| 10. | ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም። |
| 11. | ንጽሃት ዘበላ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ። |
| 12. | ካባታተን ከአ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ |
| 13. | ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡ |
| 14. | ኩሉ ዃኹ ድማ በብዓይነቱን፡ |
| 15. | ሰገንን ጉጉትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡ |
| 16. | ንእሽቶ ጉንጓን ዓባይ ጉንጓን ቀራን ጉንጓ ድማ፡ |
| 17. | ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ |
| 18. | ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡ |
| 19. | ክንፊ ዘለዎ ኹሉ ለመምታ ኸአ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። |
| 20. | ንጹሃት ዘበለ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ። |
| 21. | ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ። |
| 22. | ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ኹሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። |
| 23. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍርህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምህርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በኹሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። |
| 24. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸኻ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለሲ፡ |
| 25. | ንገንዘቡ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። |
| 26. | በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኹሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከአ ትሕጎሱ። |
| 27. | ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ። |
| 28. | ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኩሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። |
| 29. | እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለው ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን። |
| ← Deuteronomy (14/34) → |