Deuteronomy (14/34)  

1. ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምውት፡ ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
2. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ።
3. ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ።
4. እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጠልን፡
5. እራብን ሰስሓን ዓጋዜንን ድንኩላን ዝዖታን ሜዳቑን ቶራን።
6. ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸኾናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጉስዕ ዚመልስ ኩሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ።
7. መጉስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸኾናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጉስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸኾናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርኹሳት ይኹናኹም፡
8. ሐሰማ ንሳ ሸኾናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጉስዕን እያ ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።
9. ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ኹሉ እትበልዖ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ኹሉ ብልዑ።
10. ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም።
11. ንጽሃት ዘበላ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
12. ካባታተን ከአ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡
13. ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡
14. ኩሉ ዃኹ ድማ በብዓይነቱን፡
15. ሰገንን ጉጉትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡
16. ንእሽቶ ጉንጓን ዓባይ ጉንጓን ቀራን ጉንጓ ድማ፡
17. ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡
18. ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡
19. ክንፊ ዘለዎ ኹሉ ለመምታ ኸአ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ።
20. ንጹሃት ዘበለ ኹለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
21. ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።
22. ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ኹሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ።
23. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍርህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምህርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በኹሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ።
24. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸኻ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለሲ፡
25. ንገንዘቡ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ።
26. በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኹሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከአ ትሕጎሱ።
27. ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ።
28. ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኩሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ።
29. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለው ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።

  Deuteronomy (14/34)