Deuteronomy (13/34)  

1. ኣብ ማእከልካ ነብዩ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኤ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡
2. እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከአ ከምቲ ዝበለካ እንተ ኾነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡
3. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ኾንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ነብዩ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።
4. ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ንእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልው፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸአ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ።
5. ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻኣኩም፡ ካብ ቢት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዩ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
6. ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቑፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝኾነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፡ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡
7. ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለው ህዝብታት፡
8. ሕራይ እይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ ኸአ፡ ኣይትሕብኣዮውን።
9. ርግጽ ቅተሎ ደአ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቕድም፡ ደሓር ኢድ ኩሉ ህዝቢ።
10. ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኩሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቐተሎ።
11. ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኩሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቐተሎ።
12. ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነግረለን እግዚኣብሄር ዚህበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ በሊያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይተፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡
13. ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነግረለን እግዚኣብሄር ዚህበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ በሊያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይተፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡
14. ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸአ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፋን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ኾይኑ፡
15. ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ኹሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ።
16. ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ኹሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንኹሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸአ ኣይትስራሕ።
17. እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኩራኡ ምእንቲ ኽምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ከአ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኽትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝኽዕነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ።
18. እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኩራኡ ምእንቲ ኽምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ከአ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኽትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝኽዕነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ።

  Deuteronomy (13/34)