Deuteronomy (12/34)  

1. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኩለን መዓልትታት ክትገብርዎ እትሕልውዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።
2. እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኩርባታትን ኣብ ትሕቲ ኹሉ ልምሉም ኦምን ንኣማክቶምን ዜገልግሉለን ዝነበሩ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእወን።
3. መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሐወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ከአ ብሓዊ ኣንድዱ፡ እተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ኣውድቑ፡ ስሞም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፍኡ።
4. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ።
5. ግናኸ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኩሎም ነገዳትኩም ስሙ ኼብረላ ዝሐረያ ቦታ፡ ነዛ ምሃደሩ ድለዩ፡ ናብኣውን ምጻእ።
6. ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መባእኩምን በኹሪ ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ናብኣ ኣምጽኡ።
7. ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዝርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጎሱ።
8. ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዩ፡ ኣይትግበሩ።
9. ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዩ፡ ኣይትግበሩ።
10. ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድአት ክትነብሩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለው ጸላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፡
11. ሽዑ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ፡ እዚ ኹሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ናብኣ ኣምጽኡ፡ ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት እዳውኩምን፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩምዎ ሕሩይ መብጽዓኹምውን።
12. ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን፡ ተባዕትዮ ግዙኣትኩምን ኣንስትዮ ግዙኣትኩምን ኣብ ውሽጢ ደጌታትኩም ዘሎ ሌዋዊ ኸአ፡ ንሱ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሐጎሱ።
13. ዚሐርር መስዋእትኻ ኣብ ኩሉ ዝርኤኻዮ ቦታ ኸይተዕርግ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
14. ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሐረያ ቦታ ደአ፡ ኣብኣ ዚሐርር መስዋእትኻ ኣዕርግ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ኸኣ ኣብኣ ግበሮ።
15. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት ከም ድሌት ነፍስኻ ኣብ ኩለን ደጌታትካ ሐሪድካ፡ ስጋ ብላዕ፡ ከም ሰስሓን ከም እራብን፡ ዘይንጹህን ንጹህን ይብልዓዮ።
16. ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ።
17. ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በኹሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን እተማባጻዕካዮ መብጽዓኻን ናይ ፍቓድ ህያብካን ዚለዐል መስዋእቲ ኢድካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸይትበልዖ ተጠንቀቕ።
18. ንስኻ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጊታትካ ዚነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዝርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጎስ።
19. ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ኹሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሓድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
20. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከምቲ ዝበለካ፡ ዶባትካ ምስ ኣግፍሔ፡ ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሀገት፡ ስጋ ደአ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኩሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ።
21. እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዚህበካ፡ ካብ ኣሓኻን ካብ ኣባጊዕካን ሐሪድካ፡ ከምቲ ዝአዘዘኩኻ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸም ኩሉ ባህጊ ነፍስኻ ብላዕ።
22. ሰስሓን እራብን ከም ዚብልዓ ብልዓዮ፡ ርኹስን ንጹህን ከም ሓደ ይብልዕዎ።
23. ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ።
24. ከም ማይ ደአ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ።
25. ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ኸአ ንደቅኻ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ኣይትብልዓዮ።
26. ሓንትስ እቲ ዘሎካ ቅዱስ ነገርን መብጽዓኻን ሒዝካ ነቲ ዚሐርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰውኣዮ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይፍሰስ፡ ነቲ ስጋ ኸአ ብልዓዮ።
27. ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኼጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነገር ሓልዎን ስምዓዮን።
28. ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኼጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነገር ሓልዎን ስምዓዮን።
29. ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸአ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡
30. ካብ ቅድሜኻ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኮል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከአ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከምይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሕትት ተጠንቀቕ።
31. ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ኹሉ ፍንፋን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዶሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
32. እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ነገር ክትግበርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኽአ ገለ ኣይትተንክዮ።

  Deuteronomy (12/34)