Deuteronomy (11/34)  

1. ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ እቲ ሓልዎ ዝበለካ ሓጋግቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ወርትግ ሐሉ።
2. ነቶም መግናሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ ኣሞ፡ ነቲ ዕቤቱን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሎሚ ፍለጡ።
3. እቲ ኣብ ማእከል ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ብዘላ ሃገሩን ዝገብሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን፡
4. ኣብ ሰራዊት ግግብጽን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ ድማ፡ እቲ ኽሰጉኹም ከለው፡ እቲ ማይ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ልዕሊኦም ከም ዝደፈኖም፡ ክሳዕ ሎም ድማ ከም ዘጥፍኦም፡
5. ንኣኻትኩም ከአ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበጽሑ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበሮ፡
6. ኣብ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል ዝገበሮ ድማ ምስ ድስራ ቤቶምን ድንኳናቶምን ምስ ኩሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን፡ ኣብ ማእከል ኩሉ እስራኣኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሓጠቶም፡ ሎሚ ፍለጡ።
7. ከመይሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ኹሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም።
8. ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስትይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝአዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልው።
9. ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስትይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝአዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዝ ሓልው።
10. እታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ምድሪ ኸምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ኣይኮነትን።
11. እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምስሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡
12. ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከአ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብአ እየን።
13. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ከተፍቅርዎ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ኦሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትስምዕዎ፡
14. ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብ፡ ዝናም ምድርኹም በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ።
15. ኣብ ግራሁኻ ድማ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ፡ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ።
16. ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣባኻትኩም ድማ ካባታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
17. ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣባኻትኩም ድማ ካባታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
18. እምበአር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከአ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።
19. ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገሲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም።
20. ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከአ ጽሐፎ።
21. እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልቲኣት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኽበዝሓ እዩ።
22. እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛት ኽትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከአ ከተፍቅሩ፡ ብኹለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣአ ክትለግቡን፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሎኽምዎ፡
23. ሽዑ ኣግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኩሎም ካብ ቅድሜኹሞ ኪሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውና ካባኻትኩም ንዚዐብዩን ንዚሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም።
24. እግርኹም ዝረገጻ ዝበለት ቦታ ናትኩም ክትከውን እያ፡ ዶብኩም ካብ በረኻ ኽሳዕ ሊባኖስ ካብቲ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ኪኸውን እዩ።
25. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፡ ናብ እትኸድዋ ዘበለት ምድሪ ፍርሃትኩምን ስምባድኩምን ኪሰድድ እዩ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዚብል የልቦን።
26. እንሆ፡ ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር ኣሎኹ፡
27. እቲ ምርቓ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ።
28. እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም፡ ደድሕሪ ዘይትፈልዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸአ እንተ ሰዐብኩም እዩ።
29. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ነቲ ምርቓ ኣብ ከረን ጌሪዚም፡ ነቲ መርገም ከአ ኣብ ከረን ዔባል ዃንካ ንገር።
30. ንሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብኽንየው እታ ብምዕራብ ጸሐይ ዘላ መገዲ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንጽር ጊልጋል ዘሎ ጎልጎል፡ ኣብ ጥቓ ድዋታት ሞሬ ዚነብሩ ከነኣናውያንዶ ኣይኮነን፡
31. ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትአትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋ ክትነብርዋን ኢኹም።
32. እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘሎኹ ኹሉ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብርዎ ሓልው።

  Deuteronomy (11/34)