Deuteronomy (10/34)  

1. በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት ኣምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር።
2. እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከአ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ።
3. ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣአ ታባኦት ገበርኩ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩ፡ ንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸአ ናብቲ ኸረን ደየብኩ።
4. እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጽሐፈን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒ።
5. ተመሊሰ ኸአ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኒ ኸአ ኣብኡ ተነብራ።
6. ደቂ እስራኣኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮትብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፡ ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ።
7. ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጉዳውን ንዮጥባታ፡ ምድሪ ወሓዚት ማያት ተጓዕዙ።
8. በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነግድ ሌዊ ታቦት ኪዳን እግዚኣቤር ኪጸውር፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ።
9. ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦ፡ ርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ።
10. ኣነ ድማ ኣብቲ ከረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቖምኩ። በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ስምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ኼጥፍኣካ ኣይፈተወን።
11. እግዚኣብሄር ከአ፡ ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽአትውን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጎዐዝ በለኒ።
12. ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብኹሉ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
13. ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብኹሉ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኮነስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
14. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ኹሉን ናትይ እዩ።
15. ድላዩ ነባኦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንዘርኦም ካብ ማእከል ኩሎም ህዝብታት ሐረየኩም።
16. እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግበሩ፡ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።
17. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጎይተት፡ እቲ ዓብዩ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለሲ ኸአ ዘይቕበል እዩ።
18. ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከአ ይህቦ።
19. ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተው።
20. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ ንእኡ ኣምልኾ ናብኡ ኽአ ተጸጋዕ፡ ብስሙውን ምሐል።
21. ንሱ ውዳሴኻ ኣዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ።
22. ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለው፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸአ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ።

  Deuteronomy (10/34)