Deuteronomy (1/34)  

1. እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ሱፍ ኣብ ዘሎ በረኻ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጎልጎል፡ ንኹሎም እስራኤል ዝነገሮም ቃላት እዚ እዩ።
2. ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስባርኔዓ፡ መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ እዩ።
3. ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኪነግሮም ዝአዘዞ ኹሉ ተዛረበ፡
4. እዚ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነቲ ኣብ ዓስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዐሮም ኮነ።
5. ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞአብ ነዚ ሕጊ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኺገልጾ ጀመረ፡
6. እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፡ ኣብዚ ኸረንዚ እተቐመጥኩምዎ ይአኽለኩም፡
7. ተመሊስኩም ተጉዐዙ፡ ናብ ከረን ኣሞራውያን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ኹሉን ናብ ጎላጉልን ናብ ኣኽራንን ናብ ቁላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን፡ ክሳዕ እቲ ዓብዩ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ኣተው።
8. እንሆ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ። እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፡ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ፡ ንኣታቶም ብድሕሪኦም ከአ ንዘርኦም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ውረስዋ ኸአ።
9. በቲ ዘበንቲ ድማ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፡ ኣነ በየነይ ክጾረኩም ኣይክእልን።
10. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሒኩም እዩ እሞ፡ ሎሚ ምብዛሕኩም እንሆ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኢኹም።
11. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኽምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከአ።
12. እቲ ድኻምኩምን ክብደትኩምን ቆየቛኩምን ከመይ ገይረ በይነይ እጸሮ፡
13. ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ።
14. ንስኻትኩም ድማ፡ እቲ እተዛረብካዮ ነገር ምግባሩ ጽቡቕ እዩ፡ ኢልኩም መለስኩምለይ።
15. ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክምዎ።
16. በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራደኾም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ሓውን፡ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓና ድማ ብቕንዕና ፍረዱ።
17. ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዩ ስምዕዎ እምበር፡ ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልው። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ እቲ ዝበርትዓኩም ነገር ኣነ ኽሰምዖ፡ ናባይ ኣምጽእዎ።
18. በታ ጊዜ እቲኣ፡ እትገብርዎ ኹሉ ኣዘዝኩኹም።
19. ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና፡ በቲ ዝርኤኹምዎ ዓብዩን ዜፍርህን በረኻ፡ መገዲ ኸረን ኣሞራውያ ከድና፡ ናብ ቃዴስ ባርኔዓ ኸአ መጻእና።
20. በልኩኹም ድማ፡ ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ኸረን ኣሞራውያን መጻእኩም።
21. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሀበካ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደይብካ ውረሳ። ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር።
22. ንስኻትኩም ከአ፡ ኩልኹም ናባይ መጺእኩም፡ በየናይ መገዲ ኸም እንድይብ፡ ኣብ ኣየኖት ከተማታትውን ከም እንኣቱ፡ ተመሊሶም ኪነግሩና ነታ ሃገር ዚስልዩና ቅድሜና ሰባት ስደድ፡ በልኩምኒ።
23. እቲ ነገር እቲ ባህ ኣበለኒ እሞ፡ ካባኻትኩም ዓሰርተው ክልተ ሰብ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ወሰድኩ።
24. ከይዶም ድማ ናብ ከረን ደየቡ፡ ናብ ለሰ ኤሽኮል ኣትዮምውን ሰለይዋ።
25. ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ብእዳዎም ወሰዱ፡ ናባና ኸአ ኣውረድዎ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ፡ ኢሎም ድማ ምላሽ ነገሩና።
26. ንስኻትኩም ግና ክትድይቡ ኣይፈቶኹምን እሞ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣቤኹምዎ።
27. ኣብ ድንኳናትኩም ኳንኩም ኣጉረምረምኩም፡ በልኩም ከአ፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝጸልአና፡ ምእንቲ ኼጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእና።
28. ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዚበዝሕን ዚነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ።
29. ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትሸበሩን ኣይትፍርህዎምን።
30. እቲ ቀቅድሜኹም ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኺገብረልኩም ዝርኤኹምዎ ኹሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ኪዋግኣልኩም እየ።
31. ሰብ ንወዱ ኸም ዚሕንግሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ኩሉ ዝኸድኩምዎ መገዲ ኸም ዝሀንገረካ ርኢኻ።
32. እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድም ኬርየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸአ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን።
33. እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድም ኬርየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸአ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን።
34. እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ።
35. እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ።
36. እግዚኣብሄር ከአ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓቂ ኻብኦም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ።
37. እግዚኣብሄር ንኣይ ድማ ብሰርኹም ንስኻውን ኣይትአትዋን ኢኻ፡ ኢለ ኾርየለይ።
38. እያሱ ወዲ ነዌ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል፡ ንሱ ኺአትዋ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ኬረትዮም እዩ እሞ ኣትብዓዮ።
39. እቶም ዚማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቆልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ቆልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈለጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ኪአትዋ እዮም።
40. ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ በረኻ ኣቢልኩም ተጉዐዙ በለ።
41. ሽዑ ኸአ፡ ንእግዚኣብሄር ኣበስና፡ ንድይብ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና ኹሉ ድማ ንዋጋእ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩምውን መሳርይኡ ተዐጥቀ፡ ናብ ከረን ክትድይቡ ኸአ ተዳሎኹም።
42. እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣይኮንኩን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ምእንቲ ኸይትስዐሩ፡ ናብኡ ኣይትደይቡ ኣይትዋግኡውን፡ በሎም በለኒ።
43. ኣነ ድማ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፡ ብድፍረትኩም፡ ናብቲ ኸረን ደየብኩም እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን።
44. እቶም ኣብ ኸረን ዚነብሩ እሞራውያን ድማ ወጺኦም ተቐባበሉኹም፡ ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ከአ ሰጎጉኹም፡ ኣብ ስዒር ድማ ክሳዕ ሖርማ ወቕዑኹም።
45. ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኼኹም፡ እግዚኣብሄር ግና ድምጽኹም ኣይሰምዔን፡ እዝኑ ኸኣአ ጽን ኣይበለኩምን።
46. ከምተን እተቐመጥኩምለን መዓልታት፡ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።

      Deuteronomy (1/34)