Daniel (9/12)  

1. ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፡ ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ከአ ንጉስ ዝኾነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡
2. ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣነ ዳኒኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዩ ኤርምያስ እተዛረቦ ቖጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ፡ ማለት ማዕናው ዮርሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።
3. ብማቕን ብሓመኹስትን እናጾምኩ ኸአ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ።
4. ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፡ ዎ ጎታይ፡ ኣታ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዛትካ ዚሕልውንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብይን እትፍራህን ኣምላኽ፡
5. ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ኣበስና፡ ረሲኣንን ዓለውትን ኮንና፡ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና።
6. ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።
7. ጐይታየ፡ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፡ ንኣይ ግና፡ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ንቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጎጉካዮም ኩለን ሃገራት ኣብ ቀራብን ርሑቕን ዘለው ኹሎም እስራኤል ከምዚ ሎሚ ኾይንንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ።
8. እወ፡ ጐይታየ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ንኣና፡ ንነገስታትና፡ ንመሳፍንትናን፡ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።
9. ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፡ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።
10. ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን።
11. ኩሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፡ ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፡ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና።
12. ከምቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝወረደስ፡ ኣብ ትሕቲ ኹሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ ዓብዩ መዓት ናባና ብምውራዱ፡ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠለቖ ቓል ኣጽንዖ።
13. ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ እዚ ኹሉ መዓት ወረደና። ግናኸ ካብ ኣበሳና ኽንምለስ፡ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን።
14. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ኹሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተጋሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ።
15. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፡ ንሕና ኣበስና፡ እኩይ ገበርና።
16. ብሰሪ ሓጢኣትናን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን ዮርሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለው ኹሎም ኮይኖም እዮም እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ኩሉ ጽድቅኽ ጌርካ፡ ንቑጥዓኻ ነድርኻን ካብ ከተማኻ ዮርሳሌም፡ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፡ ከተምልስ እልምነካ አሎኹ።
17. ዎ ኣምላኸና፡ እምበኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለሉኡን ስማዕ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ።
18. እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኮናን እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከአ፡ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናውን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት።
19. ጐይታየ፡ ስማዕ፡ ጐይታየ፡ ይቕረ በል፡ ጐይታየ ኣድህብ፡ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፡ ኣምላኸየ፡ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፡ ኣይትደንጉ።
20. ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣትውን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፡ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላ ከቕርብ ከሎኹ፡
21. ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፡ ገብርኤል፡ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡ ቀልጢፉ ነፊሩ፡ ኣጋ ጌዜ መስዋእቲ ምሸት ተነከየኒ።
22. መሀረኒ፡ ተዛረበኒ፡ በለውን፡ ዳንኤለየ፡ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ።
23. ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፡ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምበኣርሲ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፡ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ።
24. ንዕልወት መወዳእታ ኺገብሮ፡ ሓጢኣት ኪወዳእ፡ ኣበሳ ኺዕረቕ፡ ዘለኣለማዊጽድ ቂ ኺአቱ፡ ራእስይሲ ትንቢትን ኪሕተም፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፡ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ።
25. እበኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፡ እቲ ዮርሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፡ መስፍን፡ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፡ ጊዜ ጸብባ ኽነሱ፡ ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።
26. ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከአ መሲህ ኪቕተል እዩ፡ ንርእሱ ግና ኣይኮነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ኸአ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፡ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፡ ጥፍኣትውን ምዱብ እዩ።
27. ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ እዩ፡ ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከአ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፡ እዚ ኸአ ክሳዕ እቲ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።

  Daniel (9/12)