Daniel (8/12)  

1. ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ንኣይ ዳንኤል፡ ድሕሪ እቲ መጀመርያ እተገልጸለይሲ፡ ርእይ ተገልጸለይ።
2. ብራእይ ከአ ርኤኹ፡ ክርኢ ኸሎኹ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ፡ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከአ ነበርኩ።
3. ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ ክልተ ዘርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ እት ርባ ደው ኢሉ ነበር፡ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልል ዝበላ እየን፡ እታ ሕሓቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት እያ፡ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸአ ደሕሓ እያ ዝወጸት።
4. እቲ ድዑል ድማ ንምራብ ኣቢል፡ ንሰሜን ኣብሉ፡ ንደቡብ ኣቢል ብአቕርንት ይፍልስ ነበረ፡ ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፡ ካብ ኢዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፡ ዓብዩ ድማ ኾነ።
5. ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ፡ እንሆ፡ ድቤላ ኣብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኩላ ምድሪ መጸ፡ ንምድሪ ኸአ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ ነበረቶ።
6. ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ርኤኽዎ ድዑል መጸ፡ ብነድሪ ሓይሉውን ጎየዮ።
7. ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ዝርኤኽዎ፡ ኣዝዩ ኸአ ተቖጥዖ፡ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቲ ሰበሮ፡ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑልን ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰአነ፡ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኼናግፎ ዝኸአለ ኸኣአ ኣይነበረን።
8. እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዓብዩ ኾነ። ምስ በርትዔ ድማ፡ እታ ኦኣባይ ቀርኑ ተሰብረት፡ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንይቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ።
9. ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፡ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ኣዝያ ዐበየት።
10. ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እማ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከአ።
11. ኤረ ኽሳዕ ነቲ ሐለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየል። ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸአ ካብኡ ኣትረፎ፡ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት።
12. እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ገበረ ሰለጠሉ ኸአ።
13. ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኺዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከአ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኺውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነብር፡ ኢሉ ተዛረቦ።
14. ንሱ ኸአ፡ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፡ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፡ በለኒ።
15. ኮነ ድማ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹ፡ ከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸአ፡ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።
16. ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፡ ገብርኤል፡ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉ፡ ኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ።
17. ንሱ ኸአ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ፡ ኣስተውዕሎ፡ በለኒ።
18. ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ፡ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒ፡ ቀጥ ኣቢሉ ኸአ ኣቖመኒ።
19. ንሱውን በለ፡ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቖጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ።
20. እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቖርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።
21. እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸአ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።
22. ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸአ ኣርባዕተ ዝተንስአን፡ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስትታት ኪትንስኣ እየን፡ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረይኣን እየን።
23. ኣብታ መወዳእታ መንግስቶም ከአ፡ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኡ፡ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኮል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ።
24. ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ፡ ብሓይሉ ግና ኣይኮነን፡ መስትንክር ዝኾነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ፡ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ።
25. ብጥበቡ ኸአ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ፡ ብልቡ ኺዕበ፡ ብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ፡ ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኬትንስኦ እዩ፡ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ።
26. እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይስ ሓቂ እዩ። እዚ ራይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፡ ሕተሞ።
27. ኣነ ዳኒኤል ከአ ወዐልኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሐመምኩ፡ ደሓር ተንሳእኩ፡ ኣብ ዕዮ ንጉሱውን ተጻመድኩ። በቲ ራእይ ከአ እድነቕ ነበርኩ፡ ነዚ ዜስተብህል ግና ኣይነበረን።

  Daniel (8/12)